Saturday, May 17, 2014

ነበርቲ ከተማ ጎንደር መሬቶም ብኣማሓደርቲ ሰርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ይምንጠሉ ስለዘለዉ ኣንፃር እቲ ስርዓት ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዶም ተሓቢሩ።



ኣብ ክልል ኣምሓራ ነበርቲ  ከተማ ጎንደር  መሬቶም ብዘይ ሓደ ካሕሳን ተለዋጢ ቦታን  ብተለኣኣኽቲ ናይቲ ስርዓት  ይምንጠሉ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ከም ውፂእቱ ድማ ህዝቢ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍፀም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል  ደው ንኽብል ብ1 /ግንቦት 2006 ዓ/ም ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዶም ተፈሊጡ።

   በዚ ናይ ህዝቢ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ዝሰግኡ ኣማሓደርቲ እታ ከተማ ብወገኖም ፌዴራል ፖሊስ ብምውፋር ነቲ መሰልና ይተሓሎ እናበለ ተቓውሞ ዘስምዕ ዝነበረ ህዝቢ  ብሓይሊ ብረት ተጠቒሞም  ከም ዝበተንዎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እቲ ህዝቢ ግን በቲ ናይቶም ፖሊስ ማህረምቲ ከይተዳህለ  ተጠርኒፉ ናብ ዞባ ምምሕዳር ከይዱ ጥርዓኑ ከም ዘቕረበ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

      እቶም ሰልፈኛታት ናብቲ ዞባ ምምሕዳር ብምኻድ ዘስምዕዎም ዝነበሩ   ጥርዓናት ድማ  “መሬትና መንግስቲ ብሊዝ ይሸጦ ኣሎ፤ ንሕና ግን  መንበሪ ሲኢና ኣብ  ከቢድ ፀገም ወዲቕና ፤መሰልና ተዓፊኑ፤ሓሳብና ከይንገልፅን ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከይንገብርን ተኸልኪልና” ዝብሉን ካልኦትን እንተቕረቡ ሰማዒ ስለዝሰኣኑ  ቀፃሊ ዝኾነ ተቓውሞ ንምክያድ ኣብ ምድላው ከም ዝርከቡ እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።