ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና እቲ ናይ ጣብያ
እድሪስ ኣቦ ወምበር ዝኾነ ብርሃነ ይርጋ ዝተብሃለ ካድረ ወያነ ናይ ስውኣት መሬት ንካልኦት ክንዕድሎ ኢና ብምባል መሬት
ክሽንሽን ከም ዝጀመረን ደሓር ንምሸቱ ድማ ብመን ከም ዝተተኮሰ ብዘይተፈለጠ ጥይት ከም ዝተቐትለን እቲ ሒዝዎ ዝነበረ ናይ
መሬት ሽንሸና መዝገብን ብረቱን ከም ዝተወስደ ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ
ከም ዝገለፆ “እቶም ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ዝተሰውኡ ጀጋኑ መሬቶም ንመጠወሪ ደቆም ኣብ ክንዲ ዝውዕል መራሕቲ
ስርዓት ወያነ ግን ኣሕዲጎም ንኻልኦት ሰባት ምዕዳሎም ዘሕዝን
እዩ” ድሕሪ ምባል ካድረታት ናይቲ ከባቢ እዚ ዝገብሩዎ ዘለው ተግባራት እንተዘይ ኣቋሪፆምዎ ዕጫ ናይቲ ዝሞተ ናይ ጣብያ ኣቦ-ወምበር
ክበፅሖም ምዃኑ ነበርቲ ጣብያ እድሪስ ይዛረብሉ ከም ዘለው
ተፈሊጡ።