ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ኣብ ዝሓለፉ ናይ ቃልሲ
ዓመታት በቢ እዋኑ ብርክት ዝበሉ ተዓለምቲ ብወተሃደራውን
ብፖለቲካውን ብቑዕ ትምህርቲ ብምሃብ ኣሰልጢኑ ናብ ቃልሲ ዘሰለፈ እንትኾን እዚ ናይ ሎሚ’ውን መቐፀልታ ናቱ ኮይኑ፤ ወፅዓ ህዝቦም
ንምፍታሕ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ብሄርን ብሄረሰባትን ሃገርና ኢትዮጵያ ዝመፁ ብርክት ዝበሉ መንእስያት ብ7 ግንቦት 2006
ዓ/ም ላዕለዎት መሪሕነተን ተጋደልትን ዴምህት ኣብ ዝተረኽብሉ ብድሙቕ ኣገባብ ኣመሪቑ።
ኣብቲ ናይ ተመረቕቲ በዓል ዝተረኸበ ኣቦ ወንበር ዴምክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/
ብፃይ ሞላ ኣስገዶም ኣብቲ በዓል ተረኺቡ
ንተመረቕቲ እንኳዕ ኣብፀሓኩም ድሕሪ ምባል ኣስዒቡ
ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ኣብዞም ዝሓለፉ እዋናት ንተዓለምቲ
ወተሃደራውን ፖለቲካውን ስልጠና ክህብ ምፅንሑን እዚ
ናይ ሎሚ ድማ ናቱ መቐፀልታ ምዃኑ ምስ ሓበረ እንሆ ኣሃዱ ረመፅ
ታዕሊሞም ዛዚሞም እንተወፁ ሕዝ’ውን ብርክት ዝበሉ “ኣሰር ” ዝተሰምዩ ሓደሽቲ ተዓለምቲ ታዕሊሞም ንምጅማር ኣብ ምሽብሻብ ከም ዝርከቡ ገሊፁ።
ኣብ መወዳእታ ኣቦ ወንበር ዴምህት ብፃይ ሞላ
ኣስገዶም፤ ንተመርቕቲ ዝያዳ ኣብ ዕላምኦም ፀኒዖም ክቃለሱ
ብምዝኽኻር ንሓደሽቲ ተዓለምቲ ኣሰር ድማ ፁቡቕ
ምጅማር ክኾነሎም ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ።
ብዘይካ እዚ
ሓላፊ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ብፃይ ጎይተኦም ነጋሽ
ንዓለምትን ተመረቕትን እንቛዕ ንምምራቕ ኣብቀዓኩም
ክብል ድሕሪ ምግላፅ ኣስዒቡ ነቲ ከይዲ ናይቲ ስልጠና ኣመልኪቱ ንተመረቕቲ ኣሃዱ ረመፅ ኣብ ታዕሊም ዘርኣይዎ ተወፋነትን ፅንዓትን ኣብ
ቀፃሊ‘ውን እቲ ወድብ ኣብ ዘዋፈሮም ብንቕሓትን ትኹረትን ዕላማ ውድቦም ከዐውቱን ተላብዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ተመረቕቲ ብወገኖም
ንብርክት ዝበለ ኣዋርሕ ዝተዋሃቦም ወተሃደራዊ ታዕሊምን ፖለቲካዊ ትምህርትን ብዝግባእ ቀሲሞም ብወተሃደራዊ ታክቲክ፤ ብኣካል
ብቕዓትን ፖለቲካዊ ዓቕሞም ብዘተኣማምን ክነት ስለዝተሃነፀ ብህዝብና ብውድብናን ዝተዋሃበና ሓደራን ዝተሓንገጥናዮ ህዝባዊ ዓላማ
ንምስኻዕ ደኺሙና ሰልችዩና ከይበልና ለይትን ቀትርን ከም ዝሰርሑ ቃል ምእታዎም ሪፖርተርና ካብቲ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት ካብ
ዝላኣኸልና ፀብፃብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብቲ ናይ ምረቓ ስነ ስርዓት ዝተረኸበት ጉጅለ
ባህሊ ዴምህት ናይ ቃልሲ ወነ ዝቕስቕሱ፤ ዝተፈላለዩ ደርፍታት፤ ድራማታትን፤ ካልኦት ምድላዋትን ብምቕራብ ነቲ ምረቓ ድምቀት
ከም ዝሃበቶ ካብ ክፍሊ ታዕሊም ዴ.ም.ህ.ት ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ዝኸበርኩም ተኸታተልትና ዝርዝር ትሕዝቶ
ሰነስርዓት እቲ ምረቓ ኣብ ዝመፅእ መደባትና ክነቕርበልኩም ምዃና ንሕብር።