Tuesday, May 13, 2014

ኣብ ዞባ መትከል ንፋብሪካ ሽኮር ጣና በለስ መስርሒ ብዝብል ካብ 8ተ ሚያዝያ 2006 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ዜጋታትና በቲ ስርዓት ይፈናቐሉ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ዞባ መትከል ወረዳ ፖዊ ዝርከባ  መንደራት ትሻዓተ፤ ሓሙሽተ፤ ሸሞንተን፤ ካልኦትን ክነብሩ ዝፀንሑ ልዕሊ 4000ሽሕ ዜጋታትና ካብ መንበሪ ኣባይቶም  ብሓይሊ በቲ ስርዓት ይፈናቐሉ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ  ከም ውፅኢቱ ድማ  ተኸናኺኖም ዘዕበይዎም ቀወምቲ  ተኽልታቶምን  መሬቶምን  ገዲፎም፣ ዝኾነ መሰረት ልምዓት ናብ ዘይብሉ  ወረዳ ማንኩክ ጀባ ኣብ ዝተብሃለ በረኻ ክሰፍሩ ከም ዝተገብሩ ተፈሊጡ።

   ብተመሳሳሊ ተጎራበቲ ቤንሻንጉል ጉምዝ  ዝኾና ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ልዕሊ 2500 ዝኾኑ ነበርቲ ቀበሌታት ባየሽን ኢላላን ኣብ ስልጣን ብዘሎ ገዛኢ መንግስቲ ንፋብሪካ ሽኮር ጣና በለስ ዝውዕል ቃንጫ ሽኮር መልምዒ ብዝብል ሽፋን መንበሪ ገዝኦም እንዳፍረሱን  ሕርሻ መሬቶም እንዳመንጠሉን ናብ ማንቡክ ጀባ በረኻ ክሰፍሩ ስለ ዝተገበሩ ግዳይ ሕማምን ሞትን ይኾኑ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።