Thursday, May 15, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ኣብ መንጎ ነበርቲ እታ ከተማን ኣባላት ፖሊስን ብዝተልዓለ ግጭት 4ተ ንፁሃት ዜጋታትናን 2ተ ናይቲ ስርዓት ፖሊስን ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ።



እቲ ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ ቀበሌ 18 ገንፎ-ቁጭ ወይ ጨረቃ ሰፈር እናተብሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ  ኣብ መንጎ ነበርቲ እቲ ኸባብን ኣባላት ፖሊስን ግጭት ምልዓሉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ጠንቂ ናይቲ ግጭት  ልኡኻት ናይ’ቲ ስርዓት ገዛውቲ  ንምፍራስ  ብቀለም ምልክት ክገብሩሉ ኣብ ዝፈተንሉ  እዋን  ህዝቢ ብወገኑ ‘ገዛና እንትፈርስ ስቕ ኢልና ኣይንርእን” ብምባል ብዝተፈጥረ ዘይምቕዳው ምዃኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

   ኣብ’ዚ ዝተልዓለ ገዛና ኣይፈርስን ብምባል ተቓውሞ  ካብ ዝልዓሉ  ሓደ ምልሻ ዝርከቦም  ኣርባዕተ ንፁሃት ዜጋታት እንትሞቱ  ህዝቢ ክጭፍጭፉ በቲ ምምሕዳር ካብ ዝተልኣኹ  ኣባላት ፈደራል ፖሊስ   2ተ እንትሞቱ ሓደ ክላሽን ድማ ብህዝቢ ከም ዝተምንዘዐ ተፈሊጡ።

    ብተመሳስሊ  ነበርቲ ከተማ ባህርዳር  መንበሪ ገዝኦም መካድ ካብ ዝተብሃለ ወተሃደራዊ ካምፕ ብዝተልኣኹ በዚሒ ብዘለዎም ኣባላት ምክልኻል ሰራዊትን  ፈደራል ፖሊስን ናይቲ ስርዓት ብ26 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም  ከም ዝፈረሰ  ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  ኣይነፍርስን ብምባል ክከላኸሉ ዝፈተኑ ዜጋታት ድማ ብሓይሊ ብበትሪ እናተቐጥቐጡ  ኣድራሽኡ  ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተጨውዮም ከም ዝተወስዱ ተፈሊጡ።