Thursday, May 15, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናይ ከተማ ማይ ካድራ ናይ ጣብያ ኣመሓዳሪ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ብዝተተኮሰ ጥይት ከምዝሞተ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣፣


ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይ ካድራ ናይ ጣብያ  ኣማሓዳሪ ዝኾነ ጎሹ ኣሰፋ ብዕለት28 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም ምስ ተሓጋገዝቱ  ናብ በረኻ ማይ ካድራ  ፍሉይ ሽሙ በሸር ናብ ዝተብሃለ ናይ ሕርሻ ቦታ  ብምኻድ መሬት ክሽንሽን ኣብ ዝጀመረሉ እዋን መንነቶም ብዘይተፈልጡ ወገናት ብዝተተኮሰ ጥይት ተወቒዑ ከም ዝሞተ እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣፣ እዚ ፍፃመታት ብተማሳሳሊ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ትግራይ ይቕፅል ከምዘሎ ክንገልፅ ምፅናሕና ይዝከር።