Tuesday, May 13, 2014

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ወረዳ ወይን ዝርከብ ቤት ትምህርቲ እንጠጦ ኣምባ ዘምህሩ መምህራን ናይ መዋጮ ገንዘብ ክንከፍል ዓቕሚ የብልናን ዝበሉ ብካድረታት ስርዓት ኢህወደግ ካብ ስረሖም ይስጎጉ ምህላዎም ተገሊፁ፣፣



   ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ወረዳ ወይን እንጦጦ ኣምባ  ካልኣይ ደረጃ ኣብያት  ትምህርቲ ዘምህሩ ኣስታት 139 መምህራን ንህዳሴ ግድብ ብተደጋጋሚ ገንዘብ ክኸፍሉ ፍቃደኛታት ካብ ዘይኮኑን ዓቕሚ ዝሓፀሮምን 4ተ መምህራን ብካድረታት ናይቲ ስርዓት ካብ ስርሖም ከም ዝተባረሩ ተፈሊጡ።

   ብተወሳኺ ናይ’ታ ቤት ትምህርቲ ርእሰ መምህር ዝኾነ ደመላሽ ነጋሪ ዝተብሃለ ልኡኽ እቲ ስርዓት ስልጣኑ ጉልባብ ብምግባር መምህር ደረጄ ንዝተብሃለ ናይ ፕላዝማ ቴክኒሻን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት “ገንዘብ ኣይከፍልን በብእዋኑ ክፈሉ ምባል በዚሑ  ስለ ዝበለ ጥራሕ” ካብ ስርሑ ከም ዘባረሮ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።