Wednesday, May 14, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ዝርከብ ህዝቢ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ሓዱሽ ናይ መሬት ሽንሸና ኣመልኪቱ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከየካይድ ካደረታት ወያነ-ኢህወዴግ ኣብ ከቢድ ስግኣት ወዲቖም ምህላዎም ተፈሊጡ፣፣



ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ሓድሽ ናይ መሬት መቐሎ ህዝቢ ከም ዘይተቐበሎን ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ንምክያድ ኣብ ምሽብሻብ ከምዘሎን ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  በዚ ዝሰግኡ ካድረታት እቲ ስርዓት ድማ ኣብ ኩለን ወረዳታት ንዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት  ኣብ  ከተማ ሑመራ እንዳ  ተጠምቀ ኣብ ዝተብሃለ ኣዳራሻ  ብምእካብ  ህዝቢ ተቓውሞ ከየካይድ  ንኽግዝትሎም መምርሒ ከም ዝሃብዎም  ተፈሊጡ፣፣

እዞም ብካድረታት ወያነ-ኢህወዴግ ትእዛዝ ዝተኣከቡ መራሕቲ ሃይማኖት  ህዝቢ ነቲ ሓዱሽ ናይ መሬት መቐሎ ኣመልኪቱ  ናዕቢ ከየልዕል  ብኣበ ነብሲ ንዝሓዝዎም ነበርቲ  ረብሻን ተቃውሞን ከየልዕሉ  ክግዝትዎምን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተቓውሞ  ምክያድ ብሃይማኖት ክልክል እዩ ኢሎም ክጉስጉሱ ከምዘለዎም መምርሒ ዋላኳ እንተተወሃቦም ካብቶም ተኣከብቲ መራሕቲ ሓይማኖት ሓደ ኣባ ገብረኪዳን  ዝተብሃሉ    ብትኽክል ስርሑ ክንድግፈኩም ክብሉ ነቲ መምርሒ ከም ዝተቓወምዎ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣