ንስርዓት ህወሓት -ኢህወዴግ ራሕሪሖም ናብ ኤርትራ ዝኣተው ወታሃደራት
1.
ሓለቓ ሓምሳ ሃይለ የዉሃንስ ገ/መድህን ኣብ 22 ክፍለ ጦር 7ይ ረጅመንት ኣዛዚ ፀረ ስለያ ዝነበረ
2.
ገ/ሄር ኪዳነ ገ/ማርያም ኣብ መበል 43 ክፍለ ጦር
ኣባል ተዋጋኢ መሃንድስ ዝነበረ፥
3.
ብርሃነ ጸጋይ ኣረጋዊ ኣብ መበል 25 ክፍለ ሰራዊት 4ይ ረጅመንት 2ይ ሻንበል 2ይ ሓይሊ
4ይ ጋንታ ኣዛዚ 3ይ መስርዕ
4.
ሰመተር ዑስማን ቀሊለ ኣብ መበል 11 ክፍለ ሰራዊት
ኣባል ክፍሊ ስለያ ዝነበሩ እዮም፣
ሓደ ካብዞም ወታሃደራት ኣብ መበል 22 ክፍለ ሰራዊት 7ይ ረጅመንት ኣዛዚ ፀረ ሰለያ ጋንታ ዝነበረ ሓለቓ
ሓምሳ ሃይለ የዉሃንስ ገ/መድህን፥ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዓሌትነት ዝመንቀሊኡ ሓያል ምክፍፋል ኣጋጢሙ ሰራዊት ብጅምላ
ይእሰር ከም ዘሎ ገሊፁ።
ንሱ ኣስዒቡ ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ን15 ዓመታት ከም ዘገልገለ ድሕሪ ምግላፅ፥ ኣብ መንጎ እቲ ነባር ሰራዊትን
ሓድሽ ተሰላፍን ብላዕለዎት ኣመራርሓ ኣድልዎ ይፍፀም ከም ዘሎን ምልመላታት ኣብ ዝመፃሉ እዋናት ነቲ ዘገልገለን ነባርን ገዲፎም
ነቶም ሓደሽትን ናታቶም ተልኣኣኽትን ስለ ዝምልምሉ ኣብ መንጎ ነባራት ሰራዊትን ላዕለዎት ኣመራርሓን እናማዕበለ ዝሓድር ፅልእን
ቅርሕንትን ተፈጢሩ ከም ዘሎ ኣረዲኡ።
ብተወሳኺ ኣብ መበል 43 ክፍለ ሰራዊት ኣብ ተዋጋኢ መሃንድስ ኣባል ዝነበረ ገብረእዝጊኣብሄር ኪዳነ ገ/ማርያም
ብወገኑ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዓሌታዊ ጎንፂ ኣትዩ ከም ዘሎን ኦሮሞ ንኦሮሞ ትግረዋይ ንትግራይ ብሓፈሻ ኩሎም ኣመራርሓ ንብሄሮም
ከም ዝድግፉን ኣብ ዉሽጢ ሰራዊት ካኣ ናይ ተወለድቲ ትግራይ ዋሕዲ ኣጋጢሙ ከም ዘሎን ገሊፁ።
ገብረኣዝጊኣብሄር ኣስዒቡ፥ ብርክት ዝበለ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጉኑ ከም ዘሎን ንሱ ተኣሲርሉ
ኣብ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ድማ ናይ ምግብን ማይን ሕፅረት ኣብ ርእሲ ምህላዉ ንእሱራት ዝግበረሎም ኣተሓሕዛ ኣዝዩ ኢ-ሰብኣዊ ከም
ዝኾነ ኣረዲኡ።