Wednesday, May 14, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ዝርከቡ ደለይቲ ስራሕ ዝኾኑ ወገናትና ልኡኻት ተቓውምቲ ውድባት ኢኹም እናተብሃሉ ብካድረታት እታ ከተማ ይእስሩ ከምዘለዉ ካብቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣፣



እዞም ኣብ ከተማ ሑመራ  ፍሉይ ሽሙ  መስቀል ኣደባባይ ኣብ ዝተብሃለ  ከባቢ ከይዶም ስራሕ  ኣብ ልዕሊ ዝደልዩ ዜጋታትና ፖሊስ እታ ከተማ  ልኡኻት ተቓወምትን  ሰረቐትን ኢኹም እናበሉ ብምእካብ ብ28 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም  ኣኪቦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ወሲዶም ብምድጓን  የሳቕይዎም ከምዘለው ተፈሊጡ፣፣

   እዞም  ልዕሊ 160 ዝኾኑ ደለይቲ ስራሕ  ዜጋታትና  ዝፈፀምዎ ገበን ዘየብሎም ብፖሊስ ከተማ ሑመራ  ናብ ቤት ማእሰርቲ ብምድጓኖምን  ኣብ ልዕሊኦም ዝፍፀም በደልን ግፍዒን  ደው ንኽብል ንዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓን ኣብ ዘቕረብሉ እዋን ሰማዒ ክረኽቡ ከምዘይካኣሉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ነዚ ተግባር ይፍፅሙ ካብ ዘለዉ ልኡኻት ናይቲ ስርዓት ድማ ኣብርሃ ዝተብሃለ ሓላፊ ፀጥታ  ከተማ ሑመራ ከም ዝኾነ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣፣