Wednesday, May 14, 2014

ኣብ ዞባ ማእከል ትግራይ ካብ ከተማ ዓድዋ ውፅእ ኢልካ ዝርከብ ናይ ሓረስቶት ናይ ሕርሻ መሬት ብሊዝ ንኽሽየጥ ምድላዋት ይግበር ስለዘሎ ነበርቲ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዶም ተፈሊጡ፣፣



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣማሓደርቲ  ዞባ ማእከል  ከባቢ  ከተማ  ዓድዋ ዝርከብ ናይ ሕርሻ መሬት ምስቶም ገባራት ናይቲ ከባቢ ከይተላዘቡ  ናብ  ከተማ ምምሕዳር  የእትውዎ  ምህላዎምን ብዘይ ሓደ ካሕሳ መሬቶም ዝምንጠሉ ዘለዉ እንትኾኑ፣ ሓረስቶት ብወገኖም ፍታሕ ንኽረኽቡን ናብ’ቲ ምምሕዳር  ከይዶም ጥርዓን እንተቕረቡ ሰማዒ እዝኒ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣

በቲ ዝፍፀም ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ኣሰራርሓ ናይቲ ስርዓት ዝተቖጥዑ ልዕሊ 1300 ዝኾኑ ሓረስቶት ብ14 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዶም ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ  በዚ  ህዝባዊ ተቓውሞ ዝሰግኡ ሰበ-ስልጣን ናይታ ከተማ  ድማ  ፖሊስ ብምልኣኽ ነቲ ሰልፊ ክብትንዎ ከም ዝኸኣሉ  ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና  ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣፣