Wednesday, May 14, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ ነጋዶ ልዕሊ ዓቕሞም ግብሪ ክኸፍሉ ይግደዱ ስለ ዘለዉ ክሳብ ናይ ዓርሰ ቕትለት ፈተነ የካይዱ ምህላዎም ተሓቢሩ፣፣



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ነጋዶ ከተማ ሸራሮ ምስ ኣታዊኦም ዘይመጣጠንን ልዕሊ ዓቕሞም ዝኾነ ግብሪ ንክኸፍሉ ብተለኣኣኽቲ ናይቲ ስርዓት ይግደዱ ስለዘለዉ በዚ  ተሰናቢዶም ድማ ናይ ዓርሰ ቅትለት ፈተነ የካይዱ ምህላዎም ተፈሊጡ፣፣

  ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ካብቶም ልዕሊ ዓቕሞም ግብሪ ንኽኸፍሉ  ካብ ዝተገደዱ ሓደ ኣይተ ብርሃነ ሓድጉ  ዝተብሃለ  ነጋዳይ እንትኾን  ንሱ 50 ሽሕ ቅርሺ ክኸፍል ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን እቲ ዝተተመነሉ ገንዘብ ንኽኸፍሎ ዓቕሚ ስለዝሓፀሮ  ፍታሕ ክረክብ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከይዱ ኣብ ዝጠርዐሉ እዋን   ነቲ ዝተወሰነሉ ክፍሊት ይፅናዕ ምስ ተባሃለ
ብዓጢቕዎ ዝነበረ ሽጉጥ ዓርሰ ቕትለት ክገብር ኣብ ዝፈተሉ እዋን ኣብቲ ከባቢኡ ብዝነበሩ ሰባት ህይወቱ  ከድሕንዎ ከምዝኸኣሉ ካብቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ፣፣

ብተመሳሳሊ ነጋዶ ከተማ ሽራሮ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ምስ ኣታዊታቶም ዘይመጣጠን ልዕሊ ዓቕሞም ዝኾነ ግብሪ ንክኸፍሉ ካብ ዝተገደዱ ኣይተ ኣለነ ኣባይ ናይ ሰሊጥ ነጋዳይ 50ሽሕ ብር፤ ኣይተ ግርማይ ገብርሂወት (ወዲ ጉራ) ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ትካል ሸቐጣ ሸቐጥ 50ሽሕ ብር፤ ኣይተ  በርሀ ሱዑዲ ትካል ምክፍፋል ቢራ ሓምሽተ ሚኢቲ ሽሕ ብር  ካልኦትን ዝርከብዎም እንትኾኑ ከምውፅኢቱ ንኽሳራን ንድኽነትን ይቃልዑ ምህላዎም ተፈሊጡ፣፣