Friday, May 23, 2014

ንናይ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናይ ዶብ ውሳነ ንምሕንፃፅ ካብ ማይ ካድራን በረኸትን ብሰበስልጣን ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ተመልሚሎም ዝተልኣኹ ናይ ኮሚተ ኣባላት እዚ ጉዳይ ሃገር ስለ ዝኾነ ልዕሊ ዓቅምና እዩ ኣይንፍርምን ከም ዝበሉ ካብ’ታ ኮሚቴ ሊሒኹ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።



እቶም ኣብ ዝሓለፈ ቐረባ መዓልታት ካብ ማይ ካድራን በረኸትን  ተዋፂኦም ናብቲ ዶብ ዝተላኣኹ ኣባላት  ኮሚቴ  ኣብ ህዝቢ ክፈጥሮ ዝኽእል ኣሉታዊ ፅልዋ ስለ ዘስግኦም እዚ ናይ ሃገር ወሰን ወይ ዶብ  ዝኣክል ጉዳይ ክንፍርም ካብ ዓቅምና ንላዕሊ  ስለዝኾነ  ኣይንፍርምን  ምባሎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  በዚ ኩነታት ዝሰግኡ ናይ መግስቲ ኣካላት ድማ ነቶም ኣባላት ኮሚቴ ንምእማን ኣብ ከባቢ በረኸት ኣብ ዝርከብ ምስ ሱዳንን ኣብ ዘዋስን በረኻ ብኣስገዳድ ፈርሙ ይብልዎም ኣኳ ኣንተሃለዉ፣ ዛጊት ግን ፍቓደኛታት ከም ዘይኮኑ ካብቲ ከባቢ ዝበፀሐና ሓበሬታ የመልክት። 

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ክብሪ ሃገርን ህዝብን ንድሕሪት ጎስዮም ኣብ ውልቃዊ ጥቕምን ዝናን ዝጠሓሉ ሰበስልጣን ህወሓት ኢህወደግ  ሰፊሕን ልሙዕን መሬት ሃገርና ንሱዳን ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎ ብዝተፈላላያ መራኸብቲ ሓፋሽ እናተቓለዐ ምፅንሑ ይፍለጥ።