Tuesday, May 13, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ወለዶም ዝሞትዎም ዘኽታማት ወገናትና ናይ ወለዶም መሬት ናይ ምውራስ መሰሎም ከም ዝተኸልከሉ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣፣



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ስድረኦም ብሞት ዝተፈለይዎም ብዘይ ኣላዪ ዝተረፉ ወገናትና  ናይ ወለዶም መሬት   ወሪሶም መነባብሮኦም ከይመርሑ ብኣማሓደርቲ  ናይቲ ከባቢ ብምእጋዶም ንኸቢድ ፀገም ከም ዝተቓሊዑ  ተፈሊጡ።

    እዞም ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ስድረኦም ዝመትዎምን ናይ ወለዶም መሬት ንኸይወርሱ ዝተኸልከሉን ብሰንኩ ድማ ኣብ ፀገም ዝወደቑ ዜጋታትና  ነቲ ኣብ ልዕሊኦም  ዝወረደ  ዘይፍትሓዊ ኣሰራርሓ  ንኽስተኻኸልን ናይ ውርሻ መሰሎም ንኽሕለወሎምን ናብ ዝምልከቶም ኣማሓደርቲ  ናይቲ ወረዳን ዞባን ከይዶም ጥርዓን ኣብ ዘቕረብሉ እዋን  “ኣይንፈለጥን እዚ ሓዱሽ መምርሒ  ካብ  2006 ዓ/ም ጀሚሩ ዝትግበር ስለዝኾነ ኣይንሰምዐኩምን” ስለዝበልዎም እቶም ኣላዪ ዝሰኣኑ  ዘኽታማት ወገናትና ድማ  ኣብቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣፣