ብመሰረት’ቲ
ሓበሬታ ኣብ ወረዳ መረብ ለኸ ኣብ ዝርከባ ጣብያታት ዓዲ ፍታዉ፤ ዓዲ በርበረ፤ ሃፍተማርያምን ካልኦት ከባቢታትን ዝነብር ህዝብና ብመራሕቲ ስርዓት ወያነ
ኢህወደግ ብዘይድልየቱ መዳበርያ ክወስድ የገድድዎ ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ ነዚ መዳበርያ ኣየድልየንን ኣይወስድን ዝበለ
ድማ ከም ተቓዋሚ ተቖፂሩ ግፍዕታት ይወርዶ ከም ዘሎ ንምፍላጥ
ተኻኢሉ።
ብተወሳኺ ናይ ሕርሻ መሬት ይሃልዎም ኣይሃልዎም ብዘየገድስ ዝኾነ
ገባር እዛ ጣብያ ንሓደ ግብሪ ሓደ ኩንታል መዳበርያ ክወስድ
ይግደድ ምህላዉን ድሕሪ ምግላፅ እዞም ሓረስቶት ነዚ
ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ፍታሕ ክግበረሉ ናብ ዝምልከቶም
ኣካላት ጥርዓን እንተቕረቡ ስማዒ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ተፈሊጡ።
ብተማሳሳሊ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ንነባራይ ጣብያ
ዕጉብ ኬላ፣ ብዘይ ድሌቱ ብካድረታት እቲ ስርዓት መዳበርያ ዉሰድ
እንዳተብሃለ ይግደድ ምህላዉን፣ ኣይንወስድን ንዝበሉ ድማ ልቓሕን ረዲኤትን ካልኦት ጥቕማጥቕምን ኣይወሃበኩምን ኣንዳተብሃሉ
ብመጋበሪያ እቲ ስርዓት ይፈራርሑ ምህላዎም እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።