ብመሰረት
ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ሰፍትኔት ተሓቒፉ ዝርከብ ድኻ ሕብረተ-
ሰብ በብወርሑ ይኽፈሎ ካብ ዝነበረ 90 ብር ንፋውንዴሽን መለስ ብዝብል ምኽንያት ብዘይ ድሌቱ 50 ብር ስለ ዝተቖረፆ የማርር
ከም ዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣፣
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝጠቐሶ እዚ ንፋውንዴሽን መለስ እናተብሃለ ካብ ህዝቢ ገንዘብ ምምዝማዝ እንተዘይ ኮይኑ ንህዝቢ ዝህቦ
ረብሓ ይኹን ተስፋ የብሉን ዝበለ እቲ ሓበሬታ፣ ህዝቢ እቲ ከባቢ
ኣስዒቡ “ሰበ-ስልጣን ወያነ መለስ ብህይወቱ እንተሎ ዝምዝምዘና ዝነበረ ከይኣክል ምስ ሞተ’ውን ብሽሙ ይሽቅጡ ኣለዉ” ክብል
ብሰፊሑ ይዛረበሉ ከምዘሎ እቲ ዝበፀሐና ሓበሬታ ወስኹ ገሊፁ፣፣