Friday, May 23, 2014

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እዝ ዝርከቡ ወታደራት ብተደጋጋሚ ብዘካይድዎ ዝፀንሑ ካብ ውትህድርና ኣፋንውና ዝብል ተቓውሞ ናብ ዝኸፍአ ሓደገኛ ኩነታት ከይኸይድ ዝሰግኡ መራሕቲ ወያነ-ኢህወዴግ ንይምሰልን ንምርግጋእን ኢሎም ውሑዳት ወታደራት ከም ዘፋነው ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እዝ መበል 25 ክፍለ ሰራዊት ዝርከቡ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ነቲ ካብ ውትድርና ኣፋንውና ዝብሉ ተቓውሞታት ንምርግጋእ ክብሉ ካብ ሓደ ሬጅመንት ካብ 60 ክሳብ 70 ዝኣኽሉ ወታደራት የፋንውዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

     ኣስዒቦም እቶም ኣብ መበል 25 ክፍለ ሰራዊት ዝርከቡ ወታደራት ብወገኖም በቲ ዝግበር ዘሎ ተግባራት ዕጉባት ከም ዘይኮኑ እንትገልፁ “እዚ ንዓና ንምትላልን ንይምሰልን ዝገበርኩምዎ ምበር ንሕቶና ሰሚዕኹም እትምሉሱልና ዘለኹም ኣይኮነን ብመሰረቱ ውን እቲ እተሰናብትዎ ዘለኹም በዝሒ ሰራዊት ምስቲ ዘሎ ሕቶ ዝመጣጠን ኣይኮነን ብጣዕሚ ውሑድ እዩ” ይብሉውም ከም ዘለውን።   በዚ መሰረት ድማ እቶም ሕቶኦም ዘይተመለሰሎም ኣባላት ሰራዊት ሕዚ ውን ኣሰናብቱና  እናበሉ ተቓውሞኦም ይቕፅሉ ከም ዘለው ተፈሊጡ።