Friday, May 9, 2014

ብምኽንያት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ክካየድ ዝቐነየ ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ዴምክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) ዝተዋሃበ ውድባዊ መግለፂ፣



ስርዓት ህወሓት ኢወዴግ መስዋእትን  ስንክልናን ደቂ ህዝቢ ተበሊፁ  መንበረ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎም ዓብይት ገበናት እንዳፈፀመ  ከም ዝመፀን ዘሎን ኩሉ ዜጋ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ።
እዚ ብዘይ ድሌት ህዝቢ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ውልቀ መላኺ ስርዓት ንህዝብና ብዓሌት፤ብሄርን ሃይማኖትን በታቲኑ ቀፃሊ ኣብ ግጭትን ዕግርግርን ክፅመድ ብምግባር ብቀጥታ ይኹን ብተዛዋዋሪ ኢዱ ብምእታውን ኣብ ልዕሊ መሰልና ይከበር ዝበሉ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ብምጭፍጫፍ ሂወቶም ክስእኑ ብምግባር ብ10ተታ ኣሻሓት ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጉኖም ይሳቐዩ ኣለዉ።
 ፀረ ህዝቢ  ስርዓት ህወሓት ኢህወዴግ  ናይ’ቲ ክሳብ ሕጅ  ክኽተሎ ዝፀንሐ ጨና ህዝባውነት ዘይብሉ ፋሽታዊ ባህርያቱን ብልሹው ምሕደርኡን ዝወለዶ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሕቶ ዘልዓሉ  ተወለድቲ ብሄረ ኦሮሞ ዝኾኑ ተማሃሮ ወገናት ዘስካክሕን ካብ ሓደ ህዝቢ የማሓድር ኣለኹ ዝብል ስርዓት ዘይትፅበዮን ስጉምቲ ብምውሳድ ብርክት ዝበሉ ዜጋታትና ንሕልፈተ ሂወት ኣቃሊዕዎም ኣሎ።
እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘሕዝን ፋሽሽታዊ ፈፀመ ኣብ ስልጣን ዝርከብ  ስርዓት ትዕቢት ዝወለዶ ህዝቢ ከየማኸረን ከየእመነን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ብዝፍፅሞም እከይ ተግባራት ብህዝቢ ንዝላዓሉ ናይ መሰል ሕቶታት ወትሩ ብሓይሊ እናጨፍለቐ ዝመፀን ዘሎን እንትኸውን በዚ ኣብ ሊዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ብዝፍፅሞ ዘሎ እከይ ተግባር ድማ ውዕሉ ሓዲሩ ተሓታቲ’ዩ።
 ስለዚ እቲ ኣብ ልዕሊ ተወልድቲ ብሄረ ኦሮሞ ተፈፂሙ ዘሎ ግፍዒ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴ.ም.ህ.ት) ብትሪ ከም ዝኹንኖን ከም ዝቓለሶን የረጋግፅ፣ እዚ ተግባር እዚ ድማ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ግፍዕን በደልን ኣብ ልዕሊ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ እናበኣሰ ክቕፅል ምዃኑ እንዳሓበረ ሕጂ’ውን ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘይ ናይ  ዓሌት፤ ብሄርን ሃይማኖትን ኣፋላላይ  ቃልሱ ብምሕያል  ዕድመ ስልጣን ውልቀ መላኺ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ  ከሕፅሮ  ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ይፅውዕ።
                                ዓወት ንውፅዓት!!
                 ዴምክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት)
                                30 ግንቦት 2006 ዓ/ም