ዴሞክራስያዊ
ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት ከምቲ ብኹሉ መዳያት ዓርሱ ንምኽኣል ከይተሓለለ ዘካይዶ ፃዕርታት ብወገን ክፍሊ ሕክምና’ዉን
ዓርሱ ንምኽኣል ካብ መጀመርታ ምስራታ እቲ ዉድብ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ብፈተዉትን ደገፍትን ቃልስና እናተሓገዘ በቢእዋኑ ብርክት
ዝበሉ ተጋደልቲ ብሞያ ሕክምና ኣስልጢኑ ኣብ ተግባራዊ ስራሕ ከዋፍሮም ከም ዝፀንሐ ይፍለጥ።
እዚ ናይ ሕዚ ተዋሂቡ ዘሎ ስልጠና ካብ ሕሉፍ ፍሉይ ዝገብሮ ግና ብናይ’ቲ
ዉድብ ሰብ ሞያ ሕክምና ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ዝተዋሃበ
ትምህርቲ ሞያ ሕክምና ዕለተ ምረቓ ተረኺቡ ቃሉ ዘስመዐ ኣባል ላዕለዋይ መርሕነት ዴምህት ተጋዳላይ ግደይ ኣስፋ፣ “ንተመረቕቲ
ተማሃሮ እንኳዕ ኣብፃሓኩም” ብምባል “ንመምህራን ድማ ፍረ ፃማኹም ንምርኣይ እንኳዕ ኣብቃዓኩም” ኢሉ።
ኣስዒቡ
“ሓኪም ክበሃል እንከሎ ከቢድ ሓላፍነት ምሽካም’ዩ፣ ምኽንያቱ ሓኪም ህይወት እዩ ካብ ህይወት ንላዕሊ ድማ መግለፂ የለን፣ ሰብ
ሰሪሑ ዕላምኡ ከዕዉት መጀመርያ ጥዕንኡ ክሕለዉ ኣለዎ እዙይ ድማ ንዓኹም ዝዋሃብ ዘሎ ሓላፍነት ምዃኑ ተገንዚብኩም፣ ቀፃሊ
ስራሕኹም ንምዕዋት እዚ ተውሃብኩም ዘሎ ትምህርቲ ኣኻሊ ስለ ዘይኮነ ዝያዳ ዓቕምኹም ንምዕባይ ባዕልኹም ምስ እትፅዕሩ እዩ
ብዉድብኩምን ህዝብኹምን ተወሃብኩም ዘሎ ሓደራ ኣብ ሽትኡ ክተብፅሑ ትኽእሉ” ኣብ መደርኡ ገሊፁ።
ካብቶም
ትምህርቲ ዝሃቡ ተጋዳላይ ገብረመድህን ኣለማዮህ ብግዲኡ፣ “ክፍሊ ሕክምና ዴምህት ኣብ ቀፃሊ ምዕባለታት ይርከብ” ምስበለ፣
“ንስኹም ተመረቕቲ ድማ ኣካል ናሃቱ ኢኹም እሞ ኣብ’ዚ ሕዚ ‘ሪፍረሽ ኮርስ’ (መጠናኸሪ ስልጠና) ብዝብል ኣብ ዝተወሃበ
ስልጠና ዘርኣኹሞ ተወፋይነት ኣብ ስራሕ ምስ ተዋፈርኩም ብግብሪ
ከም እትደግምዎ እምነትና” እዩ ኢሉ።
ወኪሉ ተመረቕቲ ተጋደላይ ታሪኩ ገብረዝጊኣብሄር ኣብ ዘቕረቦ ፅሑፍ፣ መጀመርያ
ኣብቲ ምረቓ ንዘተረኸቡ ተጋደልትን መሪሕነትን እንኳዕ ደሓን መፃኹም ድሕሪ ምባል፣ ኣብቲ ንክልተ ኣዋርሕ ዝተውሃቦም ምዕብሉን
ስልጡንን ትምህርቲ ሞያ ሕክምና ተማሃሮ ብምሉእ ዓቕሚ ከስርሖም ዝኽእል ብቕዓት ከም ዝጨበጡ፣ እዙይ ድማ ተማሃሮ ኣብ’ቲ
ትምህርቲ ብዝነበሮም ድሌትን ተበግሶን ኮይኑ ብቐንዱ ከዓ ዉፅኢት ፃዕሪ መምህራኖም ከም ዝኾነ ኣረዲኡ።
ንሱ
ወስኹ፣ ነቲ ቀሲመሞ ዘለዉ ንብቕዓት ስርሖም ክብ ዘብል ናይ ሕክምና ስልጠና ዕድል ዝኸፈተሎም ዉድብ ዴምህትን መሪሕነቱን ብምምስጋን፣ ነቲ ብዉድቦም ተዋሂብዎም
ዘሎ ረዚን ሞያዊ ሓደራ ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ለይትን ቀትሪን ከም ዝሰርሑ ኣብሪሁ።
ኣብ መወዳእታ
ካብ ተመረቕቲ ብዉፅኢት ፀብለታ ንዘርኣዩ ንተማሃሮ ከምኡ’ዉን ግዱሳት መምህራን መተባብዒ ሽልማት ካብ ኢድ ዝተፈላለዩ መሪሕነት
ዉድብ ዴምህት ዝተቐበሉ ኮይኖም ክፍሊ ባህሊ ዴምህት ድማ ኣብቲ ቦታ ተረኺባ ብዘቕረበቶ ገድላዊ ደረፍታትን ድራማታትን ነቲ
ምረቓ ዝለዓለ ድምቀት ሂባቶ ኢያ።