Monday, June 9, 2014

ኣብ ደቡብ ጎንደር ዝነብሩ ብሄረሰብ ቅማንት ብብሄሮም ክመሓደሩ ንዘልዕልዎ ዘለዉ ተኸታታሊ ሕቶ ብወከልቶም ኣቢሎም ኣብ ስልጣን ናብ ዝርከብ ገዛኢ መንግስቲ ናይ ሕገ-መንግስትን ናይ ክልላት ቋሚ ኮሚቴ ኣቕሪቦም ዛጊድ መዕለቢ ከም ዘይረኸብሉ ተሓቢሩ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ብሄረሰብ ቅማንት በቲ ስርዓት ኣብ ልዕልኦም ክፍፀም ካብ ዝፀነሐ ኣድልዎ ንምድሓን ዓርሶም ክኢሎም ብመንነቶም ንኽመሓደሩ ንዘልዓልዎ ሕቶ ናብ’ቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ናይ ክልላት ቋሚ ኮሚቴ ሒዞም ዝቐረቡ ተወከልቲ በቲ ሒዘሞ ዝቐረቡ ሓሳብ ምስቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ክሰማምዑ ብዘይምኽኣሎም ብቆፀራ ከም ተፈላለዩ ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝኾኑ ሰብ ስልጣን ነቲ ብሄረሰብ ቅማንት ተላዒሉ ዘሎ ሕቶ ገሊኦም ቅኑዕ እዩ ብዝብል እንትድግፍዎ ገሊኦም ከዓ ቅኑዕ ኣይኮን ብዝብል ስለ ዝተቓወምዎ ኣብ ክልተ ከም እተግምዑ ወሲኹ የረድእ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ደቡብ ዝርከቡ ብሄረሰብ ጉራጌ ካብ ቅድሚ 20 ዓመት ኣትሒዞም ብብሄሮም ክልል መስሪቶም ንኽመሓደሩ ከልዕልዎ ዝፀንሑ ዴሞክራስያዊ ሕቶ ብወከልቶም ኣቢሎም በብደረጅኡ ክሳብ ናይ ሕገ-መንግስትን ክልላትን ቋሚ ኮሚቴ እናተበሃለ ናብ ዝፅዋዕ መጋበሪያ እቲ ስርዓት ኣብ ዘቕረብሉ ብክልል ደረጃ ክተመሓደሩ ዘኽእል ዓቕሚ የብልኩም ዝብል ምላሽ ስለ ዝተዋሃቦም እቶም ብሄረሰብ ኣብ ዓብዪ ስምዒት ኣትዮም ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

   ብጀካ እዚ ኣብ ክልል ደቡብ ዝርከቡ ብሄረሰባት ኮንቶማ፤ መንጃን ካልኦት ዘይተጠቕሱን ብብሄርና ተወዲብና ብመንነትና ንመሓደረሉ ዕድል ክፍጠረልና ኣለዎ ዝብል ሕቶ ብተደጋጋሚ የልዕሉ እዃ እንተሃለዉ በቲ ስርዓት ዘዕግብ ምላሽ ከም ይዋሃቦም ከም ዘየለ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።