ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣመሓዳሪ ኣብርሃ ወኣፅበሃ ዝኾነ ፀረ ህዝቢ
ገረንሰአ ግደይ /ኣባ ሓዊ/ ዕላማ ውድብ ዓረና ንህዝቢ ንምልላይ ካብ ዝተንቀሳቐሱ ኣባላት ዓንዶም ገብረስላሰን ኣፍወርቅን ንዝተብሃሉ
ኣሲሩ ካብቲ ከባቢ እንተባርሮም ኣብ ኣብርሃ ወኣፅበሃ መተሓባበሪ ኮሚቴ ዓረና ንዝኾነ ቴድሮስ መጎስ ከኣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ከተማ
ውቕሮ ኣሲርዎ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣፣
እቲ ብኣባ ሓዊ ዝፍለጥ ዕሉል ካድረ ስርዓት ወያነ-ማሌሊት ብሽም ህዝቢ እናሸቀጠ
የመሓድሮ ኣለኹ ንዝብሎ ህዝቢ እናመዝመዘ፣ ካብ ዜሮ ተበጊሱ ወናኒ 6ተ ዓበይቲ መካይን ኮይኑ ዘሎ ብግዕዝይና
ዝተጭማለቐ ዕሱብ ምዃኑ ህዝቢ እቲ ከባቢ ይገልፅ፣፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ብፍላይ ከኣ
ህወሓት-ማለሊት ብሕድ ሕድ ቅርሕንቲ ብጉጅለታት ተመቓቒሉ ኣብ ዘይርጉእ ኩነታት ኮይኑ ኣብ 2007 ዓ/ም ከካይዶ ወጢንዎ ኣብ
ዘሎ ምስሉይ መረፃ። ክወዳደሩኒ እዮም ካብ ዝብል ስግኣት ኣስታት 200 ኣባላት ዓረና ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ
ኣሲሩዎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣፣