Friday, June 20, 2014

ኣብ ከተማ መቐለ ነባሪት ቀበሌ 18 ዝኾና ወላዲት ወድኺ ናብ ዴምህት ሰዲድክዮ ብዝብል ዘይጭቡጥ ምኽኒት ተኸሲሰን ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐረባ ምንጭታትና ካብ ከተማ መቐለ ሓቢሮም፣፣



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እተን ጓል 56 ዓመት ዝኾና ኣደ ተኣሲረን ኣብ ቀበሌ 16 ናብ ዝርከብ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ቀሪበን፣ ወድኺ ምስ ዴምህት ኣጋዲልኪ ንባዕልኺ’ውን  ተሓባባሪት ዴምህት ኢኺ ተባሂለን ኣብ ዝተሓተታሉ እዋን፣ ወደይ ናበይ ከም ዝኸደ ኣይፈለጥኩን ቀደም ንዓኹ ንተሓባበረኩምን‘ዶ ኣይነበርናን ሕዚ ነዞም ትብልዎም ዘለኹም  እንተተሓባበርኩ’ኸ እንታይ ሓጥያት ኣለዎ ደቅና ‘ዶ ኣይኮኑን ክብላ ብድፍረት ድሕሪ ምዝራበን፣ ኣብቲ መጋባእያ ነዚ ዝሰምዕ ዝነበረ ህዝቢ ከዓ ብዘረብአን ከም ዘሐበንኦ ነቲ ጉዳይ ይከታተሉ ዝነበሩ ምንጭታትና ኣረዲኦም፣፣

ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ሰባት ብዘይኮነን ብዘይተጨበጠን ጉዳይ እናኸሰሰ ንዕኡ ባህ ዝብሎ ኣሽማት ብምጥማቕ ንገሊኡ ፀረ-ልምዓት ኣሸባሪ ልኡኽን ካላኦትን እናበለ ዜጋታት ዘበሳብስ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ፀረ-ህዝቢ ስርዓት ምዃኑ ይፍለጥ፣፣