ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ ዓብደ
ራፍዕ ዝርከቡ ኣመሓደርትን ፖሊሳትን ነቶም መዓልታዊ ሰራሕታኛታት ኣብ ስራሕ ውዒሎም እንትኣትው ምሸት እናተፀናተው ኣብ’ታ
ከተማ ንኽሓድሩ 200 ብር ክፈሉ እናበሉ ይኣስርዎም ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ
ካብ’ቶም ብዙሓት ዝተኣሰሩ ሓደ ኣስራት ማስረሻ ዝተብሃለ መንእሰይ ዜጋ 200 ብር ኣይከፍልን ስለ ዝበለ ካብ’ቲ ቤት
ማእሰርቲ ብለይቲ ንደገ እናውፅኡ ብተደጋጋሚ መግረፍቲ ምስ መረሮ ሃዲሙ ንከምልጥ ክብል ሳጅን ኣወቀ ክንዱ ዝተብሃለ ፖሊስ
ተኲሱ ከም ዝቐተሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ ብተግባራት ናይቶም ኣመሓደርትን
ፖሊሳትን ናይ’ቲ ከባቢ ዝነደረ ህዝቢ ከተማ ዓብደ ራፍዕ እንታይ ዝገበረ ርሂፀ በላዕ ሰብ እዩ 200 ቅርሺ ኣይከፈልካን
ተባሂሉ ዝእሰርን ዝቕጥቀጥን ብዓብዩኡ ከዓ ህይወቱ ዝጠፍእ ዘሎ ብምባል ብሓያል ስምዒት መረረቱ ይገልፅ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣፣