Monday, June 30, 2014

ካድረታት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ዞባ ምዕራብን ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ንዝርከቡ መንእስያት ተምሃሮናብ ውትህድርና እተዉ እናበሉ ቀፃሊ ይጉስጉስዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣፣



ኣብ ዞባ ምዕራብን ሰሜናዊ ምዕራብን ትግራይ ዝርከቡ ተማሃሮ መንእስያት ናብ ውትህድርና ተልዓሉ እናተብሃሉ ብካድረታት እቲ ስርዓት ይጉስጎሱ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ።  ዝያዳ ትኹረት ናይ’ቲ  ጎስጓስ  ከዓ ተምሃሮ 10 ክፍልን ልዕሊኡን ዝኾኑ  ተዛረብቲ ትግርኛ እንትኾን  ንተዛረብቲ ኩናማ ድማ ካብ 7 ክፍሊ ንላዕሊ ንዝምሃሩ ዝጠልብ ከም ዝኾነ እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣፣

        እቲ ናብ ውትህድርና ዝብል ጎስጓስ ኣብ ከተማ ሑመራን ከባቢኡን ከምኡ’ውን ኣብ ከተማ ሽረን ሸራሮን ካልኦት ከተማታትን ወረዳታትን ብዝሓየለ መልክዑ ይካየድ ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ወያነ ኢህወዴግ ነቲ ጎስጓስ ከከይዱ ዘገደዶም ምኽንያት እቲ ኣብ ውትህድርና ኮይኑ ዕድመ ስልጣኖም ከናውሐሎም ዝፀንሐ ሰራዊት እናራሕረሖም ይጠፍእ ኣብ ዘለሉ ቀፃልነት ስልጣኖም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከም ዝርከብ ስለ ዝኣመኑ ነዚ ንምዉሓስ መተካእታ ንኽኾኖም ዝፈሓስዎ ውዲት ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ፣፣