Friday, June 27, 2014

ኣብ ከተማ ዓ/ራፊዕ ዝርከቡ ሸቃሎ ብኣምሓደርቲ እታ ከተማ ናይ መንበሪ 200 ብር ክኸፍሉ ይግደዱ ምህላዎም ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም፣፣



ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ከተማ ዓዉደራፊዕን ከባቢኣን ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ቦታታት ዝሽፍን ብምዃኑ ካብ ዝተፋላለዩ ከባቢታት ሃገርና ክሰርሑ ናብቲ ቦታ ዝዉሕዙ ሽቃሎ “ካብን ናብን ተንቃሳቒስና ሰሪሕና ክንነብር ሕገ- መንግስታዊ መሰልና እዩ። መልክዑ ዝቐየረ ግብሪ ኣይንኸፍልን” ንዝበሉ ድማ ኣምሓዳሪ እታ ከተማን ሓላፊ ፖሊስን ብምዃን  ፖላዊስን ምልሻን ኣዋፊሮም እቶም ሸቃሎ ካብ ዝተዋፈሩሉ ቦታታት ስራሕ እናተኣረዩ ክታሓዙ ብምግባር ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 40 ሸቃሎ ምእሳሮም  ምንጭታት ገሊፆም፣፣

    ህዝቢ ከተማ ዓብደራፊዕ ብወገኑ “ሸቃሎ ብዘይ ብኣና  ንሕና ብዘይ ሸቃሎ ክንነብር ኣይንኽእልን ብጉልበቱ ሰሪሑ ንዝነብር ሰብ ገንዘብ ክፈል ምባል ኣገባብ ኣይኮነን ብምባል ነቲ ተግባር ካብ ዝተቓወሙ ዓበይቲ ዓድን ሰብ ሃፍትን ኣይተ ተፈራ ገንዘቡን፤ ኣይተ ደገፈው ሓገዞም ክንደያን ካልኦትን እንትኾኑ ክሰርሑ ናብቲ ከባቢ ዝኸዱ ሰራሕተኛታት ብእከይ ተግባር ኣመሓደርቲ ተደናጊፆም ንዓዶም ይምለሱ ብምህላዎም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ ሰኣን ሸቃሎ ስራሕቶም ይተዓናቐፍ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣፣