ብመሰረት እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ እቶም
ካብ ክልል ኦሮሚያ ዝፈናቐሉ ዘለዉ ተወለድቲ ትግራይን ኣምሓራን
ዝኾኑ ዜጋታትና ብ1977 ዓ/ም ብስርዓት ደርግ ብሽም ሰፈራ ናብ ኢለባቡርን ጂማን ዝተወስዱ ኮይኖም ብሕጋዊ መንገዲ መሬት
ተዋሂቦም ንኣስታት 29 ዓመታት ናብራ መስሪቶም ክነብሩ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ኣመሓደርትን ገለ ዉልቀ ሰባትን
ንነባሪ ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣለዓዒሎም መሬትና ልቐቑልና ብምባል ንልዕሊ 3 ሽሕ ህዝቢ ዉሕስና ብዘይብሉ ኣፈናቕሎም የባርርዎም
ከም ዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ፣፣
እቶም ተወለድቲ ትግራይን ኣምሓራን ዝኾኑ
ተፈናቐልቲ ዜጋታት ብኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ መሬትና ልቐቑልና ምስ ተብሃሉ ሕጋዊ መሬትና ስለዝኾነ ኣይንለቅቕን ንዝበሉ ብበትሪ እናቐጥቀጡን እናኣሰሩን ናብ ትዉልዲ ዓዶም ይሰጉዎም ከም ዘለዉ እቲ ዝረኸብናዮ
ሓበሬታ ኣረዲኡ፣፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እዚ ከምዚ ዓይነት ኣብ
መንጎ ዜጋታት ተፈጢሩ ዘሎ ፅልዕን ቅርሕንትን ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ዝፈጠሮ ናይ ከፋፊልካ ግዛእ
ፖሊሲኡ እዩ ክብሉ ብዙሓት ወገናት ይገልፅዎ፣፣