ብመሰረት
‘ቲ ሓበሬታ ኣይተ ተኽለ ሞገስ ዝተብሃለ ኣማሓደሪ ጣብያ ኣበባ ዮሃንስ
ነቲ ልዕሊ 250 ኩንታል እኽሊ ብምሻጥ ኣብ ውልቃዊ መነባባሮኡ ብምውዓሉ ዝተቖጥዑ ነበርቲ እታ ጣብያ ድማ ፍታሕ
ክረኽቡ ናብ ወረዳ ኣመሓደሪ ጥርዓኖም ኣብ ዘቕረብሉ እዋን እቲ ኣማሓደሪ ናይታ ወረዳ ድማ ከምስል
ዘፃርዩ ሰባት ሊኢኸልኩም ኣለኹ ብምባል ከም ዝመለሰሎም ተፈሊጡ።
ብኣማሓዳሪ ናይ’ታ ጣብያ ዝተሰርቐ እኽሊ ከፃርዩ ዝተልኣኹ ሰባት
ደስታ ወልደሃዋርያ ናይ ወረዳ ሓላፊ ፀጥታን ገብረስላሰ
ገብረዋህድ ኣባል ባይቶን እንትኾኑ ንሳቶም ብ22
ግንቦት 2006 ዓ/ም ህዝቢ ኣኪቦም ኣብ ዝገበረዎ ምፅራይ እቲ
እኽሊ በቲ ናይታ ጣብያ ኣማሓዳሪ ከም ዝተሰርቐ ብመርትዖ
ተረጋጊፁ እናሃለወ ዛጊት ግን ኣብ ልዕሊ እቲ ገበነኛ ዝተወስደ
ስጉምቲ ብዘይምህላዉ ህዝቢ መረረቱ የስምዕ ምህላዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣማሓዳሪ‘ታ ወረዳ ነቲ መረረቱ ዘስምዕ ዘሎ ህዝቢ ንምርግጋእ ክብል ነበርቲ ኣኪቡ ኣብ ዝገበሮ መደረ ‘’ቅድም ክብል ዝስራሕኩሞ 800,000 ሽሕ ክኸፈለኩም’ዩ
ክሳብ ሕዚ ዘይሃብናኩም ግን ካብ ክልል ሰለ ዘይተላኣኸ’ዩ” ክብል ኣንፈት ናይቲ እኬባ ምቕያሩን ኣብቲ ዝተሰርቐ እኽሊ ኣድህቦ
ዘይምግባሩን ኢድ ኣእታውነት ሰለዘለዎ ከይቃላዕን ብምስጋእ ከምዝኾነ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።