ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ነበርቲ ከተማ ኣምቦ ዝኾኑ ብዙሓት ንፁሃት ወገናትና ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ኣንፃር
እቲ ስርዓት ዘቕነዐ ተቓውሞ ህዝቢ ኣለዓዕሊኩም ተባሂሎም 150 ሰባት ተጨውዮም ከም ዝተወሰዱን ካብኣቶም ዉሽጢ 17 ሰባት ከም
ዝሞቱ ድሕሪ ምግላፅ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ደብረዘይቲ ፍሉይ
ሽሙ ቢሸፍቱ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ተኣሲሮም ከም ዘለውን ወለዶም ይኹኑ ካልኦት ሰባት ክሪእዎም ፍቑድ ከም ዘይኮነ ገለ ውሽጢ
ፈለጥቲ ይገልፁ።
ብተመሳሳሊ
ኣብ ክልል ኦሮምያ፤ ከተማ ግምቢ፤ መጪ መንደር ኣብ ዝተባሃለ ከባቢ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውም ተሳቲፍኩምን
ኣለዓዒልኩምን ብዝብል ብ7 ግንቦት 2006 ዓ/ም ብልኡኻት ናይቲ ገዛኢ ስርዓት ሃኒ መልኣኩ ትርከቦም 35 ንፁሃት ወገናት ጨውዮም
ከም ዝወሰድዎምን ክሳብ ሐዚ ኣበይ ከም ዝኣተው ወለዶም ይኹኑ ዝኾነ ሰብ ዝፈለጥ ከም ዘየሎ ድሕሪ ምግላፅ ብሓፈሻ ድማ ኣብቲ
ከባቢ ዝርከብ ህዝቢ ድማ ሓያለ መግረፍትን ምፍርራሕን ይበፅሖ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።