ካብ 10
ክሳብ 15 ዓመታት ኣብ ሱዳን ክነብሩ ፀኒሖም ኣብዚ ሕዚ እዋን ንዓመታት ዘፍርይዎ መሳርሒ ንብረቶም ሒዞም ናብ ሃገሮም
ኢትዮጵያ ይኣትዉ ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ሉግዲ ዝርከብ ኬላ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጋዊ መቐበሊ ካርድ ዘይብሉ ቀረፅ ክኸፍሉ የገድዶም
ከም ዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ።
እዞም
ዜጋታት ክኸፍልዎ ካብ ዝግደዱ ዘለዉ ቀረፅ።-
ü
ንሓንቲ ቴሌቭዥን= ሓደ ሽሕን ሽድሽተ ሚኢትን ብር
ü
ንሓደ ፍርጅ= ክልተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚኢቲን ብር
ü
ንሓደ ናይ ገዛ ዓራት= ክልተ ሚኢቲ ብር … ወዘተ ክኸፍሉ ይግደዱ ከም ዘለዉ እዚ ኣብነት ንምጥቃስ እምበር
ብርክት ዝበለ ንብረት ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ የትርፍዎን ልዕሊ
ዓቀን ክኸፍሉ ይግደዱ ከም ዘለው ተፈሊጡ።
ካብቶም
ንብረቶም ሒዞም ዝመፁ ተመለስቲ እሞ መኽፈሊ ተፀጊሞም ኣብቲ ኬላ ንብረቶም ዝተረፎም ወገናት ሓንቲ ኣስካሌ ሓጎስ ዝተባህለት
ተወላዲት ተምቤን ኮይና ብክልተ መኪና ፅዒናቶ ካብ ዝመፀት ንብረት ነቲ ፍርቂ መኪና ዝኸዉን ቀረፅ ኣሳቢቦም ልኡዃት እቲ
ስርዓት ከም ዝወሰድዎ ንግዳያት መሰረት ጌሩ ዝፀበሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።