Tuesday, June 10, 2014

ካብ 29 ግንቦት 2006 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ መናእሰያት ናይ ኣሸበርቲ ደገፍቲን ተሓባበርትን ኢኹም እናተባሃሉ በቲ ስርዓት ተሓፊሶም ናብ ዝተፋላለያ ኣብያተ ማእሰርቲ ይዉሰዱ ምህላዎም ተፈሊጡ።



ፀረ ህዝቢ ስርዓት ወያነ አህወደግ ምስ ሕሉፍ 1997 ዓ/ም ብዝመሳሰል ኣካይዳ  ዝኾነ ገበን ንዘይፈፀሙ ወገናት ኣሸበርቲ፤ ደገፍትን ተሓባበርትን ዝብል ምኽንያት እናፈጠረ ይኣስር  ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ተክለሃይማኖት መናእሰያት ብብዝሒ እናተሓፍሱ ናብ ዙዋይን ሹዋሮቢትን እናተወሰዱ ይእሰሩ ምህላዎም ተገሊፁ።

ካብ’ቶም ዝተኣስሩ መናእሰያት ገሊኦም ንምጥቃስ መቕደስ ሃይሉ፤ ቴድሮስ ባይነሳይ፤ ተሸመን ካልኦትን ዝርከብዎም መናእሰያት እንትኾኑ ቤተሰብ  ናይዞም እሱራት ኑፁሃት ደቅና ተኣሲሮምና ብምባል ናብ ሓባሲ ንብዓት ዝተባህለ ትካል ጥርዓኖም ኣብ ዘቕርቡሉ እዋን ኣይንፈልጥን ንመንግስቲ ሕተቱ ክብሉ ከም ዝመለስሎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ  ኣረዲኡ።