Sunday, June 15, 2014

ገዛኢ ዉድብ ኢህወዴግ ነተን ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ 29 ቀበሌ ማሕበራት ብግዴታ ናብ ዙርያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክሕቆፋ ይገብር ኣብ ዘለሉ ግዜ ነቲ ተግባር ንዝተቓወሙ ሰባት ናብ ቤት ማእሰርቲ ይዳጉኖም ከም ዘሎ ተገሊፁ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ህዝቢ ከይተዛተየሉን ከይኣመነሉን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምስፋሕ ብዝብል ምኽንያት ኣብ ዘካየዶ ዘሎ ወፍሪ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ 29 ቀበሌ ማሕበራት ምስ ኣብ ውሽጠን ዝነብር ኣስታት 150 ሽሕ ህዝቢ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዙርያ ክሕቆፋ ኣለወን ዝብል ትእዛዝ ብካድረታቱ እኳ መምርሒ እንተዉረደ ነባሪ ህዝቢ ነቲ ዝወረደ ትእዛዝ ኣብ ምቅዋም ስለ ዝርከብ ነዚ ተቓዉሞ ንምቑፃይ 150 ንዝኾኑ ንፁሃት ወገናት ኣለዓዒልኩም ብዝብል ምኽንያት ኣብ ነቀምት ቤት ማእሰርቲ ደዴሳ ዳጉንዎም ከም ዘሎ ኣረዲኡ።

   እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ ኣብተን ቀበሌታት ዝርከብ ህዝቢ በቲ ዘይቅቡል መምርሒ መንግስቲ ምኽንያት ዝተኣሰሩ ወገናት ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ጥርዓናት ናብቲ ስርዓት ዋላ’ኳ እንተቕረበ ክሳብ ሕዚ ዝኾነ መልሲ ከም ዘይረኸበ ንምፋላጥ ተኻኢሉ።