Sunday, June 15, 2014

ኣብ ክልል ኣማራ ዞባ ከምሴ ዝርከቡ ብሄረሰብ ኦሮሞ ብሽም ሰፈራ ናብ ደቡብ ክልል ተወሲዶም ቅድመ ምድላዉ ኣብ ዘይተገበረሉ በረኻ ተደርብዮም ንኸቢድ ፀገም ብምቅላዖም ተቓውሞ የስምዑ ከም ዘለው ተሓቢሩ።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ብ26 ግንቦት 2006 ዓ/ም ተወለድቲ ብሄረሰብ ከምሴ ዝኾኑ ዜጋታትና ብዘይ እግሪ መትከሊ ካብ መንበሪኦም ተፈናቕሎም ብሽም ሰፈራ  ዝኾነ  ማሕበራዊ ምድላዉ ናብ ዘይተገብረሉ ፀምፀም በረኻ ተወሲዶም ተደርብዮም ከም ዝርከቡ ድሕሪ ምግላፅ እዞም ግዳያት ዝኾኑ ልዕሊ 3 ሽሕ  ተፈናቀልቲ ወገናት ናብ’ቲ ከባቢ ዝርከብ መስመር ፅርጊያ ብምዉፃእ ኣብ ልዕልኦም ተፈፂሙ ዘሎ ግፍዒ ንምግላፅ ናይ ተቓዉሞ ሰላማዊ ሰልፊ  ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ።

 እቶም ግድያት ካብ’ቲ ተደርብየምሉ ዘለዉ ፀምፀም በረኻ ናብ ፅርጊያ ብምዉፃእ በቲ ከባቢ ዝሓልፋ ፍርያት ዕንበባን ካልኦትን ትካላት ዝሰርሓ መካይን ደዉ እናበሉ ተሳፊሮም ናብቲ ከባቢ ዝርከብ ከተማ ብምእታው ነቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ፀገም ክፍታሓሎም ወይ ናብቲ ናይ ቅድም መንበሪኦም ክምለሱ ይምለከቶም ናብ ዝተብሃሉ ኣካላት ጥርዓኖም ዋላ እኳ እንተኣቕረቡ ሰማዒ ብምስኣኖም ኣብ ፀገም ብምውዳቖም ኣንፃር ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ መንግስቲ ተቓዉምኦም ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።