Sunday, June 15, 2014

ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ኢህወደግ ናይ 7ተን 10ተን ዓመት ኣገልግሎቶም ዝወድኡ ወተሃደራት ካብ 01 ሰነ/2006 ዓ/ም ጀሚሮም ይቕነሱ ኣብ ዘለዉሉ ዝወሃቦም ዘሎ ገንዘብ እኹል ብዘይምዃኑ መረረቶም የስምዑ ምህላዎም ምንጭታትና ሓቢሮም።



ሰራዊት ምክልኻል ኢህወደግ ብላዕሉ እንተዘይ ኮይኑ ዉሽጡ እናሞሽሞሸ ይኸይድ ኣብ ዘለሉ ተስፋ ዝቖረፁ ኣባላት ሰራዊት ናይ 7 ዓመት ኣገልግሎት ወዲኦም ሕቶ እንተቕርቡ ኣብ ግዚኡ ብኽብሪ ብዘይ ምፍናዎም ሂወት ዉትህድርና መሪርዎም ተቓዉሞ የስምዑ ምፅንሖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብ ሓደ ሰነ 2006 ዓ/ም ጀሚሩ ግና እቲ ስርዓት 7ን 10ን ዓመት ኣገልግሎቶም ንዝወዳኡ ወተሃደራት ቅነሳ ዝብል ሽም ኣጠሚቑ እኹል ዘይኮነ ገንዘብ እናሃበ የፋንዎም ከምዘሎ ተፈሊጡ።
  
    እቶም ካብ ሰራዊት ዝቕነሱ ዘለዉ ወተሃደራት “ንነዊሕ ዓመታት ክብርቲ ሂወትና ኣወፊና ንመንግስቲ ክነገለግል ፀኒሕና ሕዚ ካብ መጓዓዝያ ጀሚርካ ጠለብ ሃለኸቲ ነገራት ሰማይ ዓሪጉ ኣብ ዘለሉ እዋን ንመፋነዊ ዝወሃበና ዘሎ ገንዘብ ንዓና እኹል  ኣይኮነን እቲ ንመፋነዊ ተባሂሉ ዝወሃበና ዘሎ ገንዘብ በቢእዋኑ ንጥሮታ እናተባህለ ካብ ደሞዝና ክቑረፅ ካብ ዝፀነሐ ተቐኒሱ’ምበር መንግስቲ ሓልዩ ዝሃበና የለን” ብምባል ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘልዎም ፅልኣት ብስምዒት ይገልፁ ከም ዘለዉ ምጭታትና ሓቢሮም።

     ብተመሳሳሊ “ሰራዊት ኣልዓዒልኩም ክፈርስ ጌርኩም ፀገም ድስፕሊን ኣርኢኹም” ንዝበልዎም ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት ብዘይ መጣየሲ የባርርዎም ምህላዎም ተፈሊጡ።

    ኣብ’ቲ ምክልኻል ምስ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ንዝነብሩ ኣባላት ሰራዊት ብድሌቶም እንተዘይ ኮይኑ ንሕና ካብ ዉትህድርና ክነዉፅኦም ኣይንኽእልን ዝብል ኣሰራርሓ ይኽተሉ እኳ እንተፀንሑ ሕዚ ድማ ኣይተድልዩናን ብምባል ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ ይሰጉዎም ኣብ ዘለዉሉ እቲ ዝተረፈ ሰራዊት ድማ ንዓና’ዉን ተጠቒምኩም ፅባሕ ክትድርብዩና ኢኹም እናበሉ ነቲ ዝዉሰድ ዘሎ ተግባራት ብምቅዋም። ኣብ ዉሽጢ ሰራዊት ምክልኻል ሓያል ዕግርግር ተፈጢሩ ምህላዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።