Sunday, June 15, 2014

ፖሊስን ምልሻን ፀረ ህዝቢ ስርዓት ኢህወዴግ ሰባት እናቐተሉ ገንዘብ ኣብ ምዝራፍ ተግባራት ተዋፊሮም ምህላዎም ምንጭታትና ካብ ከባቢ ከተማ በረኸት ሓቢሮም።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና እቶም ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ህዝባዊ ሓላፍነት ዘይስምዖም ብሽም ፀጥታ ዝሽቅጡ ዘለዉ ዕጡቓት ናይቲ ገዛኢ ስርዓት ሓደ ኣዳነ ብዝብል ዝፍለጥ ፖሊስ ዝርከቦም 2 ፖሊስን 2 ምልሻን ብሓባር ብምዃን ዝዓጠቕዎ ብረት ተጠቒሞም ኣብ ከተማ በረኸት ንዝዓዱ ተኣምራት ሓዱሽ ዝተብሃለ ዜጋ ብጥይት ቀቲሎም ገንዘቡ ከም ዝውሰድዎ ተፈሊጡ።

   እቶም ዕጡቛት ኮንትሮባንድ ትነግድ ኢኻ ብዝብል ሽፋን ንዉልቀ ጥቕሞም ክብሉ ኣብ መንጎ በረኸትን ሓምዳይትን መሳገሪ ሩባ ተከዘ ከም ዝቐተልዎ ድሕሪ ምግላፅ ብዕጡቛት እቲ ስርዓት ኮንትሮባንድ ንምቁፅፃር ብዝብል ሽፋን ሰባት እናቐተሉ ምዝራፍ ኣብ’ቲ ከባቢ  ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣቃሊዑ።