ኣብ ማእኸላይ እዚ ኣብ መበል 23 ክፍለ ሰራዊት ተመዲቦም ከገልግሉ ፀኒሖም ብ30 ግንቦትን ብ1 ሰነን
ኣብ ዘሎ ክልተ መዓልቲ ጥራይ ነቲ ናይ 7ተ ዓመት ምፍራም መስርሕ እቲ ስርዓት ብምቅዋም ካብ ዝወፁ መኮንናት ንምጥቃስ።-
1.
ሻምበል ካሕሳይ መኮነን ካብ ብሄር ትግራይ ወዲ ፀለምቲ
2.
ሻምበል ወርቁ ታየ ካብ ብሄር ኣምሓራ
3.
ሻምበል ክፍሎም ኣለማ ካብ ብሄር ትግራይ
4.
ሻምበል ሓረጎት ሽሻይ ካብ ብሄር ትግራይ
5.
ሓለቓ ሚኢቲ ካሕሳይ ኣባሁነይ
6.
ሓለቓ ሚኢቲ ልጂኣለም ታረቀ
7.
ሓለቓ ሚኢቲ ትርፉ ወንዲወሰን
8.
ሓለቓ ሚኢቲ ብሩ ኣለማዮህ
9.
ሓለቓ ሚኢቲ ይርጋ መሰለ
10.
ሓለቓ ሚኢቲ ወርቅነህ ኣስረስ ዝተባህሉ ዝርከብዎም ብዙሓት መኮንናት ምስ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሓለቓ
ሓምሳን ሓለቓ ዓሰርተን ዝርከብዎም ካብ ምኽልኻል ሰራዊት ከም ዝወፁ ንፈለጥቲ ዉሽጢ እቲ መሰረት ጌሩ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ።
እዞም ካብ ሰራዊት ወፂኦም ዘለዉ መኮንናት ኣይንፍርምን ክብሉ ንዘልዓልዎ ናይ ተቓዉሞ ሓሳብ ብላዕለዎት
ኣዘዝቲ ተቐባልነት ስለ ዘይረኸበ ብዘይ ዝኾነ መሰናበቲ ወፂኦም ንዓዶም ይኸዱ ኣብ ዘለዉሉ። መብዛሕትኦም መሳፈሪ ገንዘብ
ስኢኖም ኣብ ከተማታት ሽረን ሸራሮን ኣዕለቕሊቖም ይንከራተቱ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተካኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ኣብ ዋዕላ-ንህቢ
ናይ ትርከብ ሓንቲ ረጅሜንት ኣዛዚ ዝነበረ ሻለቃ ባህሩ ዝተበሃለ ክሳብ ሕዚ ዘገልገልኩዎ ይኣኽለኒ ንዓደይ ክኸይድ እየ ኢሉ
ብትሪ ኣብ ዝተቓወመሉ ኣይትኸድን መን ክመርሓልካ ብምባል ኣሲረሞ ከም ዝርከቡ ኣፍሊጡ።
እቶም ላዕለዎት ሓለፍቱ ንዝመርሖም
ዝነበረ ኣባላት ሰራዊት እታ ረጅመንት ኣኪቦም መራሒኹም ኣሲርናዮ ዘለና ንዓኹም ተባሂሉ ዝወፀ ባጀት ስለ ዝሰረቐ ኢና እናበሉ
ሽሙ ብምፅላም ይጉስጉስዎም ከም ዘለዉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ዜና