እቶም ስሩዕ
ኣገልግሎቶም ወዲኦም ንተወሳኺ 7 ዓመት ክፍርሙ ተሓቲቶም ኣይንቕበሎን ብምባል ስንብታ ዝሓተቱ ወተሃደራት ኣባላት ማእኸላይ እዚ
ብቑፅሮም ብርክት ዝበሉ እኳ እንተኾኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት እቲ እዚ ግና ንሕቶኦም መሊስና ንመበሊ 1,600 ንዝኾኑ
ወተሃደራት ጥራይ ስንብታ ሂቦም ብዘይ ገለ ትሕጋግን መሳፈሪ መኪናን ሰለ ዘፋነውዎም ኣብ ዓብዪ ፀገም ብምዉዳቖም ኣብ ጎደናታት
ሸራሮ፤ ሽረን ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ከተማታትን ከርተት ይብሉ ከም ዘለው ካብ ዉሽጢ እቲ ሰራዊት ልሒኹ ዝበፀሓና ሓበሬታ
ገሊፁ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ
ኣገልግሎቶም ወዲኦም ናይ ምፍናዉ ዕድል ዘይረኸቡ ወተሃደራት ከዓ መዓልታዊ ብጉጅለን ብዉልቅን ነቲ ሰራዊት ራሕርሖም እግሮም
ናብ ዘምረሖም ኣብ ምጥፋእ ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ የረድእ።