Friday, June 13, 2014

ኣብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ዝነብሩ መናእሰይ ኣብ ድኣንት ተሓቚፎም ብምስርሖም ዕቤት ዘይኮነስ ኣደዳ ክሳራ ከም ዝኾኑ በቲ ስርዓት ኣብ ዝተገብረሎም ኣኼባ ገሊፆም።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ኣብ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ትካላት ተሓቚፎም ክሰርሑ ዝፀንሑ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ኣመሓደርቲ ዞባን ወረዳን ብ1 ሰነ 2006 ዓ.ም ኣብ ዘካይድሎም ኣኼባ ፅቡቕ ኣታዊ ረኺቦም መናባብርኦም ከም ዝለወጡን ከም ዝማዕበሉን ኣምሲሎም ንዘቕረብዎ ፀብፃብ ፍፁም ንዓና ዝገልፅ ኣይኮነን ክብሉ እቶም መናእሰይ ከም ዝነፀግዎ ተፈሊጡ። 

እቶም ኣብ ኣኼባ ዝተረኸቡ መናእሰይ ነቲ ብኣመሓደርቲ ዝቐረበ ፀብፃብ ድሕሪ ምድማፅ ኣብ ዘቕረብዎ ሓሳብ “መናእሰይ ሽረ ኣብ ድ.ኣ.ን.ት ብምሕቛፍና ተሸከምቲ ዘይነበረና ዕዳን ክሳራን ድኣ ኮይና’ምበር ዝረኸብናዮ ለዉጢ መነባብሮ የለን ድሕሪ ምባሎም እቲ ከም ዝሓለፈልና ኣምሲልኩም ዘቕረብኩሞ ፀብፃብ ንዓና ዝውክል እዩ ክብሉ” ብሓደ ድምፂ ከም ዝኾነንዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

  ብተወሳኺ እቶም መንእሰያት ኣብ ዘረበኦም “ንስኻትኩም ንፀብፃብ ክጥዕመኩም ምስ ዓበይቲ ሃፋትም እናሰራዕኹም ማዕቢሎም ተለዊጦም ትብሉና ኣለኹም ንሕና ግና ኣርባዕተ ዓመት ምሉእ ዝሰራሕናዮ ዕጣንን ሰለስተ ዓመት ምሉእ ዘፍረናዮ ብሎኬት ካልእን ዝጠልበልና ስኢና ባኺኑ ኣሎ ንስኹም ግና ምትእስሳር ዕዳጋ ብዘይምህላዉ ንኽሳራ ንቃላዕ ከም ዘለና ብጭቡጥ እናፈልጥኩም ሃፍቲሞም ተለዊጦም ምባልኩም ኣዚዩ ዘሕዝን እዩ” ከም ዝበልዎም እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

 ካብ’ቶም ከምዚ ዝበለ ተሪር ሓሳብ ብምቕራብ ኣብቲ ኣኼባ ዝተቓወሙ ሓደ ወሉ ኣርኣያ ዝተብሃለ ኣብ ዕጣን ጨንፍር  ፀሓፊ ኮይኑ ዝሰርሕ እንትኾን  ካብ ዘየለ ፀብፃብ ትሰርሑ ነቲ ርኡይ ፀገም ኣብ ምፍታሕ ዘይትሰርሑ” ክብል ከም ዝተዛርበ ተፈሊጡ።