Friday, June 13, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ዝነብር ህዝቢ ብግዕዝይና ዝጠልቀዩ ኣዘዝቲ ፖሊስ ፍትሓዊ ኣገልግሎት ኣይህቡናን ክብል ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ብምግምጋሙ ንኸምስሉ ንገለ ኣባላት ፖሊስ ይኣስርዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።



ኣብ ከተማ ማይ ካድራ ኣብ ዝተገብረ ህዝባዊ ኣኼባ ገብረፃዲቕ ዝተብሃለ ኣዛዚ ፖሊስ ስለስተ ሆቴላት ሕጋዉነት ብዘይብሉ መንገዲ ኣስርሑ ክጥቀም ከም ዝፀንሐን ሓላፍነቱ ተጠቕሙ ካብ ተገልጋሊ ህዝቢ መዓልታዊ ግቦ እናተቐበለ ምስ ኣታዊኡ ዘይመጣጠን ሃፍቲ ዝደለበ ምዃኑን ተኣካቢ ህዝቢ ጭብጥታት ኣሰንዩ ምስ ገምገመ ንምርግጋዕ ነቲ ህዝቢ ተባሂሉ እቲ ኣዛዚ ንግዝኡ ምእሳሩ ምጭታትና ገሊፆም።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ እቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ብስሰዐ ዓይኑ ዝዓወረ ኣዛዚ ፖሊስ ስልጣኑ ተጠቒሙ ምስ ኣታዊኡ ዘይመጣጠን ሃፍቲ እናደለበ ንምንታይ ዝምልከቶም ኣካላት ክሳብ ሎሚ ሪኦም ከም ዘይረኣዩ ክሓልፍዎ ከም ዝፀንሑን ሓላፍነቶም ክሳብ ሕዚ ብዘይ ምዉፅኦም ክሕተቱን እቲ ከይዲ ምፅራይ ምስ ተወደአ ከዓ ዉፅኢቱ ንህዝቢ ብግልፂ ክንገር ተኣከብቲ ከም ዝሓተቱ ኣገንዚቡ።
ቅድም ክብል’ዉን ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ፖሊስ ብዝፍፅምዎ ተደጋጋሚ ዘይእሩም ተግባራት ህዝቢ ብዘቕርቦ ነቐፌታን ገምጋምን ንግዝኡ ይእሰሩ’ኳ እንተፀንሑ ክሳብ ሕዚ ኣብ ልዕልኦም ዝተወሰደ ኣምሃሪ ስጉምቲ ከም ዘየለ የረድእ።