ኣተሓባበርቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዉዕዉዕ ተቓዉሞ ሰልፊ
ንምክያድ ብ19 ሓምለ 2006 ዓ.ም ናብ ዝምልከቶ ኣካል ሕቶ ድሕሪ ምቕራቦም ህዝቢ ኣብ’ቲ ሰልፊ ንኽሳተፍ መጠነ ሰፊሕ
ጎስጓስ ከም ዘካየዱ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ኣብ ምድላዊ እናሃለዉ ኣካላት ፀጥታ እቲ ስርዓት ካብ ቤት
ፅሕፈቶም ብዘይ ሓደ ሕቶ ጨዉዮም ወሲዶም ከም ዝኣስርዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ሰበ ስልጣን ስርዓት ኢህወዴግ ንህላወ ስልጣኖም ዘፍርሖም እንተሎ ህዝቢ
ብሓደ ሓቢሩ ብምዉፃእ ኣንፃሮም ከይለዓል ከም ዝኾነ ብምጥቃስ ነቲ ህዝባዊ ተቓዉሞ ሰልፊ ንምፍፃም ከንቀሳቕስዎ ንዝተበግሱ
መሪሕነት ኢዴፓን ሰማያዊ ፓርትን ገና ብገንኡ ንምብርዓን ክብሉ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣተሓባበርቲ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ክወስድ ከም
ዝኽኣለ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።