ኣብ
ክልል ኦሮሚያ ከተማታት ነቀምትን ሻንቦን ዝነብር ህዝብና ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኦህዴድ-ኢህወዴግ ዘለዎ ፅልኣት ዝለዓለ ምዃኑ
ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ነቲ ዘለዎ ፅልኣት ምስ ተቓወምቲ ዉድባት ብምትሕብባር ሰላማዊ ሰልፊ ይኹን ኣኼባ ከየካይድ ስለ ዝኣገድዎ
ኣብ ክንድኡ ኣንፃር እቲ ስርዓት ዘቕነዐ ዝተፈላለዩ ምልዕዓላት የካየዱ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።
እቲ
ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ ኣብተን ከተማታት ዝነብር ህዝቢ ብስእነት ማሕበራዊ ቀረብን ስእነት ፍትሕን ንዓብዪ ሽግር ስለ
ዝተቓለዐ ከም መፍትሒ ፀገሙ ብተቓወምቲ ዝብተኑ ዘለዉ ወረቓቕቲ ትሕዝትኦም ኣንቢቡ ብምርዳእ ኣጀኹም ኣብ ጎንኹም ኣለና ኣብ
ስልጣን ንዘሎ ገዛኢ መንግስቲ ኢህወዴግ ድምፅና ኣይንህብን ብምባል ነቶም ተቓወምቲ ውድባት ሞራልዊ ድጋፉ ይገብረሎም ምህላዉ
ተፈሊጡ።