Sunday, December 14, 2014

ህዝቢ ትግራይ ብገዛኢ ዉድብ ህወሓት-ኢህወዴግ ይበፅሖ ዘሎ ስቓይን ዓፈናን ክፃወሮ ስለ ዘይከኣለ ተቓሊስና ካልኣይ ደርጊ ኣምፂእና ብምባል መረረቱ የስምዕ ምህላዉ ምንጭታትና ከብቲ ከባቢ ሓቢሮም።



ኣብ ክልል ትግራይ ከባብታት ተምቤን ዓብዪ-ዓድን ሃገረ ሰላምን ዝነብር ህዝብና ኣብ ስልጣን ብዘሎ ስርዓት ክረኽቦ ዝደሊ ፖለቲካዊ ነፃነትን ማሕበራዊ ኣገልገሎትን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝሓተሉ ብካድረታት ህወሓት-ኢህወዴግ ዝዋሃቦ ዘሎ ምላሽ ምፍርራሕን ምዉራድን ካብኡ ሓሊፉ’ዉን የስግኡና ንዝበልዎም ንፁሃት ሰባት እናጨወኻ ምጥፋእን ምእሳርን ምዃኑ ዝተዓዘበ ህዝቢ ደርጊ ኣጥፊእና ሽሙ ዝቐየረ ደርጊ ኣምፂእና ብምባል ኣብቲ ስርዓት ዘለዎ ፅልኣት ይገልፅ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዝነብር ህዝቢ ልዕሊ ማንም ሰብኣዉን ዴሞክራስያዉን መሰላቱ ተገፊፉ ኣሎ ዝበል እቲ ሓበሬታ ብምዃኑ ከዓ  ኣመሓደርቲ ህወሓት-ኢህወዴግ ዘካይድዎ ዘለዉ ኣኼባታት ህዝባዊ  ዘይኮነስ ሰባት ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘልዕልዎ ሕቶን ሓሳብን መዝሚዝካ ንምጭዋይን ንምእሳርን ዝጥቀምሉ ናይ ኣምባገነናት ኣኼባ እዩ ብምባል እቲ ህዝቢ ባዕሉ ንባዕሉ ይዛራረበሉ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።