ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ሰላማዊ ቃልሲ ዘካይዱ ተቓወምቲ ዉድባት
ምስ ነባሪ ህዝቢ ብምዃን ኣንፃር እቲ ስርዓት ዘቕነዐ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ሓቲቶም ኣይፍቀድን ተባሂሎም ብምምሕዳር ስለ
ዝተኸልከሉ ነቲ ዓፋኒ መምርሒ ዘይተቐበሎ ህዝቢ ናዕቢ ከየልዕል ዝሰግኡ ሰበ ስልጣን ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ብርክት ዝበሉ
ኣባላት ድህንነት ብምዉፋር ሕድሕድ ሰብ ናበይ ኣቢሉ? ምስ መን ተራኺቡ? እንታይ ገይሩ? ብደቂቕ ይከታተልዎ ከም ዘለዉ
ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ
ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ መላእ ሕብረተሰብ እታ ከተማ በቲ ዝካየድ ዘሎ ጥቡቕ ሓለዋን ክትትልን ባዕሉ ንባዕሉ ተረዳዲኡን
ተሓባቢሩን ሰሪሑ ዕለታዊ ህይወቱ ኣብ ምምራሕ ኣዚዩ ተሸጉሩ ከም ዝርከብ ድሕሪ ምግላፅ እዚ ድማ መራሕቲ ኢህወዴግ በቲ መፃኢ
ዝካየድ ምስሉይ መረፃ ክንደየናይ ከም ዝፈርሑን ካብ ህዝቢ ተነፂሎም ከም ዘለውን ዘረጋግፅ ከም ዝኾነ እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።