ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ንግዳዊ ስራሕቲ ተዋፊሮም ኣብ
ካልኦት ክልላት ዝሰርሑ ነጋዶ ተወለድቲ ትግራይ በቲ ዝዕዘብዎ ግዕዙይ ምሕደራ ነቲ ስርዓት ይቃወምዎ ስለ ዘለው ንስኻትኩም
ክትሰርሑ ዘይኮንኩምስ ህዝቢ ክተለዓዕሉ ኢኹም ትንቀሳቐሱ ዘለኹም፥ ስለዚ ናብ ክልልኩም ክነባርረኩም ኢና እናተብሃሉ ኣባላት
ድህንነት ናይቲ ስርዓት የፈራርሑዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ
ወሲኹ ብፍላይ ድማ ተጋደልትን ወተሃደራትን ነበር ንዝኾኑ ወገናት ትማሊ ኣብ ሰራዊት ትሕሙሱና ነይርኩም ሕዚ ድማ ህዝቢ
ተለዓዕሉ ኣለኹም እናተብሃሉ ብፍሉይ ምክትታል ይግበረሎም ከም ዘሎ ኣረዲኡ።