Sunday, February 1, 2015

ለካቲት 11 ልደት በዓል ህወሃትን ኩነታት ፀገም መነባብሮ ህዝቢ ትግራይን!!



    ሰበ-ስልጣን ህወሓት ኢሀወደግ ካብ ፈለማ ቃልሲ እንትጅምሩ አትሒዞም ኣብቲ እዋን ዝነበረ መርገፂኦም ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ምእላይ፤ ብልሹው ምምሕዳርን ፀረ ዴሞክራሲያዊ አሰራርሓታትን ምጥፋእ ከም ሓደ ዓብይ ዕላምኦም ገይሮም’ኳ እንተተበገሱ ነዚ ጭርሖ’ዚ ኣብ ሸትኡ ንምብፃሕ ማእለያ ዘይብሉ  መስዋእቲ ተኸፊሉ ስርዓት ደርጊ ምስተአለየ ግን ውሑድ አዋርሕ እኳ እንተየቆፀሩ መርበብ ስለየኦም ብምስፋሕ ሃፍቲ ህዝብናን ሃገርናን ብምውራር ውልቃዊ ረብሐኦም ናብ ምምላእ ዘሐፍር ተግባር ተዋፊሮም’ዮም። 
     መራሕቲ ህወሓት ነዊሕ ጉዕዞ እንከይሰጎሙ ኩሉ ስርሓቶም ቤተሰባዊ ቅርፂ ሒዙ ከቕፅልን ግዕዝይና ኣብ ባዕሎምን ዓጀብቶምን ከም ሕጋዊ ኣሰራርሐኦም ገይሮም ብምውሳድ ይጥቀምሉ ምህላዎም ህዝቢ እንዳዕዲዑ ከም ዝፈልጦን ባንኪ ዓለምን ኣይ.ኤም.ኤፍ ከም ዘረጋገፅዎ’ውን ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሃብቲ ሃገርን ህዝብን ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ናብ ወፃእ ሃገር ክወፅእ ምግባሮም ተረጋጊፁ’ዩ።
     ስለ ዝኾነ ድማ ህዝብታት ሃገርና ብምኽንያት  ስእነትን ስራሕን ስደትን ይሳቐዩ ኣብ ዘለውሉ ግዜ መራሕቲ ህወሓትን ዓጀብቶምን ግን ሃፍቲ ሃገርና እናዘሓቑ ብስሞ ደቆምን ኣዝማዶምን ኣብ ባንክታት ኣውሮፓን ኣመሪካን የቐምጡን ንመኽበሪ በዓል ልደቶም ብሚልዮናት ዝግመት ገንዘብ እናባኸኑን ይርከቡ።
    እዞም ሹመኛታት እዚኦም ትማሊ ንህዝቢ ማዕርነትን ሓድነትን ኢልና ኢና መስዋእቲ እንከፍል ዘለና ዝብልዎ ዝነበሩ ቃል ረሲዖም ኣብ ሕዚ በፂሖም ኩነታት ድኽነት ሃገርና ኣብ ግምት ብዘየአቱ መንገዲ ባዕሎምን ቤተሰቦምን ንሕክምናን ካልኦት ጉዳያትን ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣውሮፓ ብምኻድ ልዕሊ መጠን ዶላራት እናፍሰሱ ሂወቶም ከፅንሑ ምሕሳቦም ኣብ ዘመን ደርግን መስፍናዊ ስርዓታትን እኳ ዘይተርአየ ነውራም ተግባር ምዃኑ ዝካሓድ አይኮነን።
   ስለዚ ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን መራሕቲ ህወሓት ልደት 11/ለካቲት መበል 40 ዓመት ንምኽባር ብዝብል ዕላማ ክንድዚ ዝኣክል ምድላውን ፍሰስ ተፋሰስ ክገብሩ ምህቃኖም አዚዩ ዘነውርን ነቲ አብ ልዕሊ ህዝቢ ዘሽካዕልል ዘሎ መጠኑ ዝሓለፎ ሽግር ምንም ዓይነት ቦታ ከም ዘይህብዎ ዘርኢ ምኻኑ ዘጠራጥር አይኮነን፣ እዚ ድማ ህወሓት ገና ካብ ምጅማሩ ኣትሒዙ ሕቡእ ዕላማ ከም ዝነበሮን ኣብ ውሽጡ ዝከፍአ ናይ ውልቃውነት ሓደጋ ዘንፀላለዎ ውድብ ምንባሩ ቁልጭ ኣቢሉ ዘርእየና ሓቂ’ዩ።   
     እዞም ናይ’ዚ ዘመን ፀረ ህዝቢ መራሕቲ ኮሚሽን ፀረ ግዕዝይና ዝበሃል ንግዑዙያት እናቃልዐ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዘቕርብ፤ ኣዝዮም ናይ’ቲ ስርዓት ኣገልገልትን ሰብ ሞያ ሕግን ዘለውዎ ሓደ ገዚፍ ትካል ሃኒፅና ወላ’ኳ እንተበሉ። እዚ ትካል ግን ግዕዝይና ዘጥፍእ ዘይኮነስ ብዝበኣሰ መልክዑ ክስፋሕፋሕን ክጠናኸርን ይገብር ምህላው። ኩሉ ዜጋ ይፈልጦ’ዩ።
    ሓደ ሓደ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ስልጣን ዝርከቡ ናይቲ ስርዓት ተዓመንቲ ካድረታት ብምዃኖም ጥራይ እዝዩ ዓብይ ሃፍቲ ንዝወነኑ ውልቀ ሰባት። ካብ ዓይኒ እቲ ህዝቢ ክሕብኡ ስለ ዘይከኣለሎም ስነ ልቦና ናይ’ቲ ህዝቢ ንምዝባዕን ናይ ብሐቂ ንሃገርን ህዝብን ዝቑርቆሩ መራሕቲ ከም ዘለው ንምምሳልን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡ ብምግባር ናይ ሸፈጥ ድራማታትን ከርእዩ ይፍትኑ’ዮም፣ እዚ ብተንኮል ዝተባዕጠ ተግባሮም ግን ህዝቢ ንምድንጋር ኢሎም’ምበር ንግዑዙያት ኣብ ፍርዲ ብምቕራብ ብዝፈፀምዎ ወንጀል ግቡእ ቅፅዓት ንኽወሃቦም ተሓሲቡ ኣይኮነን።
   ንምጥቕላል ኣብ ሃገርና ዝርከብ ዝተመሃረ መንእሰይ ሓይሊ ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ተማሂሩ ስራሕ ዘይረኽበሉ፤ ሃገርና ማእኸላይ እቶት ምስ ዘለዎን ተርታ ከነሰልፋ ኢና እናተባሃለ ይውረየሉ ኣብ ዘለሉ ወቕቲ ስደት፤ ጥምየትን ድንቁርናን በሰፊሑ ዝረኣየሉ፤ ህዝብታት ሃፍቲ ሃገሮም ብማዕረ ዘይጥቀምሉ ጥራይ ዘይኮነስ ውሑዳት ሰበ-ስልጣንን ቤተሰቦምን ጥራይ ዝንደላቐቕሉ ኩነታት’ዩ ዘሎ።   
ስለ ዝኾነ! ካብ’ዚ ፀረ ህዝቢ ስርዓትን ጨቋኒ መንግስትን ተላቒቕና ሰላም፤ ዲሞክራሲ፤ ሰናይ ምምሕዳር ዝሰፈና ሃገር ንምህናፅን ማህበራዊ ናብራ ህዝቢ ንምልዋጥን ንበዓል ልደት ህወሓት ይኹን ኣብ ሃገርና ንዘለው ፀረ ህዝቢ መራሕቲ ብምቅዋም ናይ እምቢ ኣይንግዛእን ድምፅና ከነስምዕ ይግባእ።