ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ናይ መበል 31 ክፍለ ሰራዊት እሱራት
ወተሃደራት ከም ዝርከቡ ዝገለፁ ምንጭታትና እቶም እሱራት ማይ ካብቲ ሕብረተሰብ ዝግልገለለን ጎዳጉዲ ስለ ዝጥቀሙ ነባሪ ህዝቢ
እቲ ከባቢ መንግስቲ ኣብ ክንዲ ፅሩይ ማይ ዝዝርገሐልና ብኣንፃሩ ብጉልበትና ኣብ ዝኾዓትናዮ ማይ እሱራቱ ክጥቀሙ ብምግባሩ ኣብ
ፀገም ወዲቕና ብምባል የማርሩ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
ኣስዒቡ
እቲ ሓበሬታ መንግስቲ እሱራት ወታሃደራቱ ዘድልዮም ቀረብ ባዕሉ ከዳልወሎም ድኣ እምበር ህዝቢ ክፀረሉ ስለ ዘይኽእል ብማይ
ፀገም ካብ ንሳቐ መንግስቲ ዓርሱ ዝኽእለሉ መንገዲ ክእልሽ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓኖም ከም ዘቕረቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።