ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ
ትግራይ ኣብ ከባቢ ዓዲ ነብሪ ኢድ እትርከብ ናይ መበል 31 ክፍለ ሰራዊት ኣሃዱ ሜከናይዝድ ንኣይተ ሓጎስ ዝተብሃሉ ንፁህ ሓረስታይ።
መናእሰይ እናጎስጎስካ ናብ ዴምህት ትልእኽ ኢኻ ብዝብል ኣብ ክፍለ ስራዊት 31 ናይ ራብዓይ ሬጅመንት ዋና ኣዛዚ ዝኾነ ኮሎኔል ኣብረሃ ዝተብሃለ። ብ25 መጋቢት 2007 ዓ/ም
ሰዓት 6።30 ለይቲ ካብ ገዝኦም ኣውፂኡ እናቐጥቀጠ ክምርምሮም ከም ዝሓደረን። ንጉሆ ናብ ምምሕዳርን ፖሊስን ዓዲ ነብሪ-ኢድ ብምውሳድ
ሰዓት ሕላፍ ናብ ካምቦና ኣትዮም ብምባል ኣሲሩ ከም ዘረከቦም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣቃሊዖም፣
ነዚ እከይ ተግባር ዝሰምዐ ነባሪ ህዝቢ ዓዲ ነብሪ-ኢድን
ከባቢኣን ድማ ሲቪል ሰብ ዘሕትቶ እንተሎ ብሕጋዊ መንገዲ ክፃረ እናተገበአ ብወተሃደራት ክግረፍን ክእሰርን ኣይግባእን። ኣብ ገዛእ
መረበትና ‘ኸ ክሳብ መዓዝ ኢና ብዝኾነን ዘይኮነን ክንግፋዕን ክንሳቐን ብምባል ኣብ ልዕሊ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዘለዎ ፅልኣት
ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ በፂሑ መረረቱ ይገልፅ ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፣