Tuesday, April 14, 2015

ኣብ ዞባ ሰ/ምዕራብ ትግራይ። ዝርከቡ ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ህዝቢ ካብን ናብን ንከይንቀሳቐስ ከሊኦምዎ ከም ዘለው ምንጭታትና ገሊፆም፣



    ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፤ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ። ጤረር ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ዝርከቡ ወተሃደራዊ ኣመራርሓ። ንነባሪ ህዝቢ እቲ ከባቢ ካብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት 2007 ዓ/ም ጀሚሮም ካብ ሰዓት 11።30 ኣጋ ምሸት ንደሓር ምንቅስቓስ ከም ዘይከኣልን ንጉሆ ድማ ክልተ ሰዓት ከይመልአ ካብ ገዛውቶም ንከይንቀሳቐሱ ዝኽልክል ሓድሽ ትእዛዝ ብምውፃእ። ነቲ ሕብረተሰብ ዕለታዊ ስራሕቱ ንከየሳልጥ ዕንቅፋት ኮይኖምዎ ከም ዘለው ተፈሊጡ፣
    በዚ መሰረት ድማ  ነባሪ ሕብረተ ሰብ እቲ ከባቢ ካብ ገዝኡ እንትወፅእ ኣትሒዙ በቶም ወተሃደራት ፍተሻ ከም ዝገብሩሉን ንዝኾነ ሰብ ብዓይኒ ጥርጣረ ስለ  ዝርእዩዎን በዚ ኩነታት ድማ እቲ ህዝቢ የማርር ከም ዘሎ እቲ ዝመፀና ሓበሬታ የመላኽት፣