Tuesday, April 14, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ካድረታት ብኣዴን/ኢህወዴግ ኣብ ኩሉ ቦታታት ንዝርከቡ መምህራን ኣኪቦም ናይ ምረፁና ጎስጓስ የካይዱ ከም ዘለው ተፈሊጡ፣



ካብ 28 መጋቢት 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ንዝርከቡ መምህራን ካብ ስራሕቶም ብምትዕንቓፍ ብመራሕቲ ብኣዴን/ኢህወዴግ ናይ ምረፁና ጎስጓስ ይካየደሎም ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። እቶም መማህራን ንግዕዙይ ኣሰራርሓ ናይቲ ስርዓት ዘቃልዑ ብዙሓት ሓሳባት ኣብ ዘልዓሉሉ። ኩሎም ዝተልዓሉ ነቐፌታት ናትና ፀገማት እዮም። ኮይኑ ግን ኣብዚ ሕዚ መረፃ እንተመሪፅኩምና ክነስተኻኽል ኢና ዝብል ናይ ምሕፅንታ መልሲ ከም ዝሃብዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
   እቶም መምህራን ብወገኖም ንስኹም ክተስተካኽሉ ኢኹም ኢልካ ተስፋ ምግባር “ካብ ሃመማ መዓር ምፅባይ” እዩ ዝቑፀር፣ ብናታትኩም ኣሰራርሓ ተስፋ ዝቖረፁ መምህራን ስርሖም ሃገሮምን ገዲፎም ናብ ስደት ዝኸዱ ዘለው ክብሉ ከም ዝገለፅሎምን እቲ ዝተኻየድ ኣኼባታት ድማ ብዘይ ምስምማዕ ከም ዝተበተነ ተፈሊጡ፣