Tuesday, April 14, 2015

ላዕለዎት መራሕቲ ኢህወዴግ ናብ ክልል ደቡብ ዞባ ጋሞ-ጎፋ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ብነበርቲ እቲ ከባቢ ተቓውሞታት የጋጥሞም ምህላዉ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ገሊፆም፣



   ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ። ህዝቢ ዞባ ጋሞ-ጎፋ ካብ 21መጋቢት  2007 ዓ/ም ጀሚሩ ዘካይዶ ዘሎ ኣንፃር እቲ ስርዓት ዝዓለመ ተቓውሞ ዘስገኦም ላዕለዎት መራሕቲ ኢህወዴግ። ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ዕጡቛት ምልሻታትን ኣባላቶምን ምስ’ቲ ህዝቢ ከይውግኑ ብምፍራሕ ንነፍሲ ወከፎም ካብ 1500  ክሳብ 1600 ብር ይህብዎም ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ።  ነዚ ዝተዓዘቡ  ነበርቲ  ድማ “ንሕና ካብ ስርዓት ኢህወዴግ ምጭብርባርን ምድንጋርን እንተዘይ ኮይኑ ዝረኸብናዮ ረብሓ የለን፤ ስለ’ዚ ናይ ስርዓት ለውጢ ንደሊ ኣለና ብምባል ተቓውሞኦም የስምዑ ምህላዎም ተፈሊጡ፣ 
  እቲ ሓበሬታ ወሲኹ። ሰበስልጣን ጉጅለ ስርዓት ዴህዴን-ኢህወዴግ ዘጋጥሞም ዘሎ ተቛውሞ  ብህዝቢ ጋሞ-ጎፋ ጥራሕ ዘይኮነስ። ብሓፈሻ ካብ ሙሉእ ህዝቢ ደቡብ ኢትዮጵያ ተነፂጎምን ተፀሊኦምን ምህላዎም ዝበፅሓና  ሓበሬታ የመልክት፣