ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ ሽራሮ
ኣብ ዝተፈላለየ ዓይነታት ንግዲ ስራሕቲ ዝተዋፈሩ ነጋዶ ክፈልዎ ዝብሃሉ ዘለዉ ግብሪ ኣብ ዝረኽብዎ ኣታዊ ተደሪኹ ዝተወሰን ዘይኮነስ
ነቲ ምስ ኣኸፍልቲ ግብሪ ብዝተፈላለየ ዝራኸብን ብላዕ ዝሃቦምን ኣዚዩ ትሑት ግብሪ እንትዉስንሉ ነቲ ምስ ንሃቱ ተመሳሳሊ ትካልን
ኣታዉን ዘለዎ ግን ድማ ርክብ ምስ ኣኽፈልቲ ግብሪ ዘይብሉን ብላዕ ዘይሃበን ድማ ዘሎ ትካሉ ሸይጡ ክኸፍሎ ዘይኽእል ልዑል መጠን
ግብሪ እንትዉሰን ዝተዓዘቡ ብግብረለይ ክገብረልካ እምበር ሓቀኛ ግብሪ ኣወሳስና የለን ኢሎም ብምዝራቦ ዝተኣሰሩ ዜጋታት ከም ዘለዉ
ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ካብ'ቶም ዝተኣሰሩ ሓደ ተስፋይ ገብሩ ዝተብሃለ
ወናኒ ንእሽተይ መሰንከቲ ባኒ (ፎርኖ) 22 ሽሕ ብር ክኸፍል እንትዉስንሉ ምስ ነሃቱ ተመሳሳሊ ትካልን
ኣታዉን ዘለዎም ግን ድማ ምስ ወዳእቲ ኣከፋፍላ ግብሪ እናተራኸቡ
ብላዕ ንዝሃቡ ነጋዶ 400 ብር ጥራሕ ክኸፍሉ ብምግባሮም ኣብ ዝተዓዘበሉ እዙይ ዝካየድ ዘሎ ግብሪ ኣከፋፍላ ብጉቦ እዩ ክብል ብግልፂ
ስለ ዝተዛረበ ካብ 15 ሓምለ 2007 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ እሱር ከም ዝርከብ ተፈሊጡ።